ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን ንዝዋግኡ ዘለዉ ዕሱባት መተሓላለፊት ሃገር ምዃና ዝኸስስ መርመራ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኮሎምብያውያን ዕሱባት ብሓደ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ኵባንያ ተመልሚሎም፡ ኣብ ሱዳን ግፍዒ ብምፍጻም ንዝኽሰሱ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (ኣርኤስኤፍ) ንምድጋፍ ብወተሃደራዊ መዓስከራት ኢማራት ኣቢሎም ከም ዝሓለፉ መርመራ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሱ።

እዚ ሓድሽ ርኽበታት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኢማራት ዓረብ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብገበን ኲናት ዝተኸሰሰ ዳዕመ ሰሪዕ ከም እትድግፍ ክቐርብ ንዝጸንሐ ክስታት ተወሳኺ መርትዖ ዝህብ እዩ።

ኢማራት ዓረብ ግን፡ ኣብ ግዝኣታ ወጻእተኛታት ዕሱባት ወተሃደራት መልሚላ ኣሰልጢና ንዝብል ክሲ ትነጽጐ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሃገሩ "ግዝኣታ ንምልመላ፡ ስልጠና፡ ምወላ ወይ ናብ ዝዀነ ይኹን ግጭት ወጻእተኛታት ወተሃደራት ንምሕላፍ - እንተላይ ናብ ሱዳን - ክውዕል ኣይትፈቅድን፡" ኢሉ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብ መጋቢት ክሳብ መስከረም 2025 ምስ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ብዝተገብረ ቃለ መሕትት ከምኡ'ውን ኣብ ቪድዮታትን ምስልታትን ቁልፊ ቦታታትን ኣጽዋርን ዘለልዩ ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምትንታን እዩ ነዚ ሓድሽ ጸብጻብ ዘርጊሑ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን እናረዓገ ዝኸይድ ዝነበረ ወጥሪ ስዒቡ፡ ብ15 ሚያዝያ 2023 ናብ ቅሉዕ ኲናት ከም ዘምርሐ ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት በቲ ዓመጽ ከም ዝሞቱን ልዕሊ 12.9 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉን ይእመን። ዳርጋ ትሽዓተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 'ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ' (CIG) ዝተባህለ ጕዳያት ጸጥታ ዝትንትንን ዝከታተልን ትካል፡ ኣብታ ሕጂ ብቐንዱ ብዕጡቃት ዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዛ ዘላ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዝዀነት ዳርፉር፡ ተሳትፎ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ጸብጻብ HRW ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ጸጥታ ትንታነ ትካል፡ ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ (CIG) ዝተገብረ መጽናዕቲ'ዩ፡ እዚ መጽናዕቲ'ዚ'ውን ኣብታ ሕጂ ብዓቢኡ ብ RSF ተታሒዛ ዘላ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዝኾነት ዳርፉር፡ ተሳትፎ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ኣጉሊሑ'ዩ።

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ዕሱባት ወተሃደራት "ኣካላት ሞት" ክብሎም እንከሎ፡ እቲ ምልመላ "መልክዕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት" ክብል ከም ዝገለጾ ይዝከር።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ዕሱባት ቅድሚ ናብ ዳርፉር ምኻዶም፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማራት ዓረብ፣ ሊብያ፣ ቻድን ሶማልያን ከም መተሓላለፊ መስመራት ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይገልጽ።

ሓደ ዕሱብ ነቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ፓስፖርትና ማሕተም ኣይገብሩልናን፡" ብምባል ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ከም ዝተጉዓዘ ኣመልኪቱ።

"ኣቲና ወጺእና፤ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትወስደና ዝተዳለወት ኣውቶቡስ'ዉን ነይራ።"

መርመራታት እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ንኣባላት ሰራዊት ኮሎምብያ ዝነበሩ ዒላማ ዝገበረ "ስራሕ ፈተነ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ" ዝምልከት መወዓውዒታት ዝዝርግሕ መርበብ ኵባንያታት ኮሎምብያን ኢማራትን ከም ዝተሳተፍሉ ይሕብር።

እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕመ ኩባንያ ኤሚሬትስ ፡ "፡ ነቶም ኮሎምብያውያን ወተሃደራዊ ኮንትራክተራት ናብ ሱዳን ንምስግጋር፡ መንግስቲ ዝቈፃፀሮ ትሕተ ቅርጺ ከምዝተጠቕመ" ይኸስስ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝመደበሩ ኵባንያ ነቶም ናብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ኮሎምብያውያን ኮንትራክተራት "ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ከም ኣጋር ሰራዊትን መዳፍዕን፡ ኣብረርቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኦፕሬተራት ተሽከርከርትን ኣሰልጠንቲ ኰይኖም ዘገልግሉ ታክቲካውን ቴክኒካውን ልምዲ ንምሃብ" ከም ዝቘጽሮም ይኸስስ።

እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከባ ዞባታት ውግእ ቅድሚ ምውፋሮም፡ ኣብ ገለ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ኢማራት ዓረብ ስልጠና ወሲዶም እዮም።

እቶም ዕሱባት ኣብ ዝተዋፈሩሎም ዞባታት እቲ ኲናት ድማ፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመፅ፡ ጾታዊ ባርነት፡ ዝምታን ዕንወት ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺን፡ ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸሞም እዮም ይብል።

ጉጅለ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኤል-ፋሸር ድሕሪ ምሓዙ ዓለማዊ ቁጥዐ ዘልዓለ ክስተት ስዒቡ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (UNHRC)፡ "ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ብመጥቃዕቲ'ቶም ዕጡቓት፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡" ይግምት።

"ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን 2025፡ ሽዱሽተ ነበርቲ ኤል-ፋሸር ንሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኮሎምብያውያን ከም ዝዀኑ ዝኣመኑሎም ሰባት፡ ኣብታ ከተማ ከም ዝረኣዩ ገሊጾም፡" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ ተኣሲሩ ዝነበረ- ውፃእ መዓት ዝዀነ ሰብ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እኩባት ሰባት ተኹሲ ክኸፍቱ ከለዉ "ስቕ ​​ኢሎም ዝርእዩ ናይ ወጻኢ ሰባት፡" ከም ዝረኣየ ገሊጹ።

ካልእ ድማ "ፀዓዱ ዕጡቓት" ጎኒ ጎኒ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደው ኢሎም ከለዉ፡ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ ከም ዝረአዩ ጸብጺቡ።

"እቲ ቅትለት እንትፍፀም ኣብኡ ነይሮም፡ ግን ንሳቶም ኣይረሸኑን።"

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝርከቡ ዕሱባት ዕጡቓት ኮሎምብያ ምስ ተማረኹ፡ ናይ ዕጡቓት ሓይልታት ኢማራት ዓረብ ዝዀኑ ኣጽዋር ከም ዝተረኸበ'ውን ይሕብር።

ገለ ካብቶም ተተኰስቲ፡ ኣብ ሰርብያን ቡልጋርያን ዝፈረዩ ብኢማራት ዓረብ ዝተዓደጉ እዮም።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ'ውን መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኲናት ሱዳን፡ ድምጾም ከስምዑ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ልዕሊ ሓደ - ብቐንዱ ኮሎምብያዊ ዜግነት ዘለዎም - ወተሃደራት ኮሎምብያ ነበር መልሚላ ኢላ ዝኣመነትሎም መርበብን ውልቀሰባትን፡ ማዕቀብ ኣንቢራ ነይራ።

ሓደ ካብቶም እገዳ ዝተነብረሎም ውልቀሰባት፡ ድርብ ኮሎምብያዊን ጣልያናዊን ዜግነት ዘለዎ- ወተሃደራዊ መኮነን ነበር ኮይኑ፡ ተቐማጢ ኢማራት ዓረብ'ዩ።

ኢማራት ዓረብ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኩባንያታት ኢማራት ኣብ ምድጋፍ ዕጡቓት ሱዳን፡ ተሳቲፈን ዝብል ክሲ ከምዝተመርመረ ሓቢራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ፍሉይ ክስታት ዝቐረበሎም ኣካላት መርሚሮም እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ቅሉዕ ምንጪታት ምስ ዝተጠቕሱ ኩባንያታት ይሓውስ" ኢሉ።

"ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ኣካል - ናይ ኤምሬትስ ይኹን ወጻእተኛ -ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ፡ ንሓደ ዕጡቕ ዘይመንግስታዊ ተዋሳኣይ ደገፍ ከም ዝህብ ብዝግባእ ክትርጎም ብዝኽእል መንገዲ ክሰርሕ እንተተረኺቡ፡ ሕጊ ኤምሬትስ ብምጥሓስ፡ ገበናዊ መርመራን ክስን ክቐርበሉ'ዩ።"

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እታ ሃገር ነባሪ ተኹሲ ደው ምባል ብምውሓስ፡ "ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ንምቅላል" ምስ መሻርኽታ ክትሰርሕን፡ "ሓቛፊ፡ ብሱዳን ዝውነን ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ" ዝበሎ ንምፍጣር ክትሕግዝ ከምእትደሊ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት፡ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ዋና ዳይረክተር'ቲ ውድብ- ሱንግኣህ ሊ፡ "ብዙሓት ሰባት፡ ናብቲ ኣባይት፣ ማይ፡ ጥዕና፡ ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጽን ዘይብሉ፡ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ከባቢታት ክምለሱ ርእያ"።

"ብዙሓት ጸጥታ ከም ዝተመሓየሸ ስለዝኣምኑ እዮም ዝምለሱ ዘለዉ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ነታ ከተማ ካብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ካርቱም ብወግዒ ተመሊሱ።