ታሪኻዊ ምሸት ንኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ ንሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ ረቲዓ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ኣፍሪቃዊ ኩዕሶ እግሪ ታሪኽ ዝስንደሉ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ንሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ 3 ብ 2 ብምስዓር፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዲማ ናብ ዙር 16 ብምሕላፍ ታሪኽ ኣጽሒፋ ኣላ።
ክልተአን ጋንታታት ኣብ ስሩዕን ተወሳኽን ግዜ 1 ብ 1 ድሕሪ ምፍልላየን እዩ እቲ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክውሰን ተገዲዱ።
እቲ ጸወታ ካብ ፈለማኡ ኣዝዩ ሓያልን ጉልበታዊ ቅልስን ዝተራኣየሉ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ኢስማዒል ሳይባሪን ያን ፖል ቫን ሄከን፡ ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ መንጎ ብራያን ብሮቤይን ሻዲ ሪያድን ብርቱዕ ንሕንሕ ተራእዩ። ሪያድ ምስቲ ናይ ሆላንድን ሳንደርላንድን ኣጥቃዒ ድሕሪ ዝገበሮ ምትፍናን ማልያኡ ንምቕያር ተገዲዱ እዩ።
ኣሰልጣኒ ሆላንድ ሮናልድ ኩማን ኣብ 32 ጸወታታት ንመጀመርታ ግዜ ሓሙሽተ ተኸላኸልቲ ኣሰሊፉ።
ጋክፖ ካብ ፈለማ ክሰለፍ ክኢሉ። እዚ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል፡ ቅድሚ ሳልስቲ ውላዱ ኣብ ከብዲ ኣደኡ እንከሎ ብምጕድኡ ኣብ ሓዘን እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ተሰሊፉ ክጻወት መሪጹ እዩ።
ድራማዊ ሸቶታትን ናይ መወዳእታ ካልኢታትን
ድሕሪ ዕረፍቲ ሞሮኮ ነቲ ጸወታ ክትቈጻጸሮ ጀሚራ ነይራ። ኣሽራፍ ሓኪሚ'ውን ላዕለዋይ ልዳት ብምሃራም ንሆላንድ ኣስጋኢ ኰይኑ ቀሪቡ።
ይዅን'ምበር፡ ሆላንድ ብዘካየደቶ ቅልጡፍ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ጋክፖ ጸወታ ክውዳእ 18 ደቓይቕ ኣብ ዝተረፈሉ ብሓያል ቅላዕ ንሆላንድ መሪሕነት ዘውሕስ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
እዛ ሸቶ'ዚኣ ንዓወት ሆላንድ እኽልቲ ትመስል እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ግን ታልቢ ዝቘረጻ ኩዕሶ፡ ኢሳ ዲዮፕ ብርእሱ ገጭዩ ንሞሮኮ ናብ ጸወታ እትመልስ ሸቶ ኣመዝጊቡላ።
ውጥረት ዝመልኦ ተወሳኺ ግዜን ፍጹም ቅላዕን
ተወሳኺ 30 ደቓይቕ ምስ ተጀመረ፡ ሓላዊ ልዳት ሆላንድ ባርት ቨርብሩገን ተቐዪሩ ዝኣተወ ሞሮካዊ ሱፍያን ራሂሚ ሰንጢቑ ንዘሕለፋ ኩዕሶ ብምዕጋት፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ምድሓን ኩዕሶ ናይዚ ዋንጫ ዓለም ኣርእዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ተወሲኑ።
ቱን ኮፕመይነርስ ንሆላንድ መሪሕነት ከትሕዛ ከሎ፡ ሞሮካዊ ኤል ኣይናው ግን ላዕለዋይ ልዳት ሃሪሙ። ቀጺሉ ጃስቲን ክሉይቨርት ንሆላንድ ክስሕት ከሎ፡ ራሂሚ ግን ነታ ኩዕሶ ብትሕቲ ኣእዳው ቨርብሩገን ኣሕሊፉ ብምምዝጋብ 1ብ1 ኣመዓራርዩዋ።
ዉት ዌግሆርስት ንሆላንድ፡ ታልቢ ድማ ንሞሮኮ ድሕሪ ምምዝጋቦም፡ ሆላንዳዊ ኩይንተን ቲምበር ስሒቱዋ። ሓኪሚ'ውን ልዳት ኣህሪሙ ኣባኺኑዋ።
ይዅን'ምበር፡ ክሪሰንሲዮ ሳመርቪል ዝሃረማ ኩዕሶ፡ ሓላዊ ልዳት ያሲን ቡኑ ብኢዱ ክዓግታ ክኢሉ። እዚ ድማ ንሳይባሪ ንሓላዊ ልዳት ቨርብሩገን ኣንፈቱ ብምስሓት ነታ ወሳኒት ሸቶ ከእትዋን ንደገፍቲ ሆላንድ ልቦም ክሰብርን ዕድል ሂቡዎ እዩ።
ታሪኽ ዝደገሙ 'ኣናብስ ኣትላስ'
ሞሮኮ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንስጳኛን ፖርቱጋልን ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ዝገበረቶ ታሪኻዊ ጕዕዞ፡ ሕጂ'ውን ንሓንቲ ሓያል ኤውሮጳዊት ጋንታ ከተውድቕ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ደረጃ ፊፋ ሻድሸይቲ ተሰሪዓ እትርከብ ሞሮኮ፡ ከም ሓኪሚ፡ ሳይባሪን ብራሂም ዲያዝን ዝኣመሰሉ ኣብ ዝለዓለ ብቕዓቶም ዝርከቡ ስሙያት ተጻወትቲ ትውንን። ኣብ ማእከላይ መስመር ድማ ኣብ ፈረንሳ ዝተወልደ ወዲ 18 ዓመት ኣዩብ ቡዓዲ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓደ ካብቶም ተደለይቲ ተጻወትቲ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።
ኣሰልጣኒ መሓመድ ዋህቢ ኣብዚ ስራሕ ካብ ዝቝጸር ኣርባዕተ ወርሒ እኳ እንተ ዘይመልአ፡ ነታ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ዓሚ ናብ ዋንጫ ዓለም ክትበቅዕ ብምምራሑ ግን ዝናኡ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ተኸላኻሊ ኑሰይር ማዝራዊ፡ "ምቝሉላት ኴንና ክንቅጽል ኢና፤ ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ዘብጽሓና ምኽንያት ንሱ እዩ። ብዘይ እቲ ዘርኣናዮ ናይ ምቅላስ መንፈስ፡ ንዝዀነ ይዅን ጸወታ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ኢሉ።
ሞሮኮ ዝስዕብ ጸወታኣ ምስታ ኣብ ሃገራ እትገጥም ሓንቲ ካብ ኣአንጋዲት ካናዳ ክኸውን እዩ።
ፓራጓይ ንጀርመን ኣዐንዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ጀርመን፡ ኣብ ከተማ ቦስቶን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታ፡ ፓራጓይ ብፍጹም ቅላዕ 1(4)-1(3) ብምስዓር ካብቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2026 ብዘገርም መንገዲ ኣሰናቢታታ።
ጀርመን ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ብፍጹም ቅላዕ ብፓራጓይ ክትስዕር ንፈለማ እዋን ኰይኑ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ 2014 ዋንጫ ድሕሪ ምዕታራ ናብዚ ዙር'ዚ ክትሰግር ንመጀመርታ ግዜኣ እዩ።
ጀርመን ንሓያል ዕርዲ ምክልኻል ፓራጓይ ንምስባር ኣብ ዝተጸገመትሉ እዋን፡ ጁሊዮ ኤንሲሶ ቅድሚ ዕረፍቲ ኩዕሶ ብርእሱ ገጭዩ ንፓራጓይ መሪሕነት ኣትሒዙዋ።
ይዅን'ምበር፡ ካይ ሃቨርትዝ ኣብ መበል 54 ደቒቕ ኣብዚ ውድድር ሳልሰይቲ ሸቶኡ ብምምዝጋብ ንጀርመን ኣመዓራርዩዋ።
ግዜ ተወሲኹ ዝተመዝገበ ሸቶ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን። ጋራጓይ ታሪኽ ሰሪሓ ናብ ዝቕጽል ዙር ክትሰግር በቒዓ።
ብራዚል ንጃፓን 2-1 ብምስዓር ናብ ዙር 16 ሓሊፋ
እታ ሃገረ ኩዕሶ እግሪ ተባሂላ እትፍለጥ ብራዚል ብሉጽ ጸወታ ብምርኣይ ንጃፓን 2-1 ስዒራ ናብ ዙር 16 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።
ጃፓን ብካይሹ ሳኖ መሪሕነት እኳ እንተ ረኸበት፡ ብራዚል ግን ብሳላ ስልቲ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ካርሎ አንቸሎቲ ጸወታኣ ብምምሕያሽ ብካሴሚሮ 1ብ 1 ተመዓራርያ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
