ኣስመራ፡ ስእልታት ካርኒቫልን ምርኢታትን ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

ኣካል ናይቲ ካርኒቫል ዝኾና ባህላዊ ዕጥቅን ልብስን ዝበረ ጐራዙት ኤርትራ
መግለጺ ስእሊ, ኣካል ናይቲ ካርኒቫል ዝኾና ባህላዊ ዕጥቅን ልብስን ዝበረ ጐራዙት ኤርትራ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት መበል 35 ዝኽሪ መዓልቲ ሓርነታን ናጽነታን ንምኽባር ትዳሎ ኣላ።

ድሮ ርእሰከተማ ኣስመራ ነቲ ጽንብል ፈሊማቶ ከምዘላ ዘመልክት ምስልታት ክወጽእ ጀሚሩ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ ዘርኢ ምርኢት (ኤግዚብሽን) እውን ኣብታ ከተማ ትማሊ ተኸፊቱ ኣሎ።

"ኣብ'ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፋሃ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ካብ ውሽጥን ደገን ዝመጽኡ ገዳይም ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ተሳቲፎም" ይብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ዜና ።

ንሎሚ ገለ ስእልታት ብሰሉስ ዝተኻየደ ምርኢታትን ትርኢታትን ኣቕሪብናልኩም ኣሎና፣

ጐደና ሰማእታት ወዲኦም ናብ ሓርነት ዝተቐልቀሉ ተሳተፍቲ ካርኒቫል
መግለጺ ስእሊ, ጐደና ሰማእታት ወዲኦም ናብ ሓርነት ዝተቐልቀሉ ተሳተፍቲ ካርኒቫል
ብድሙቕ ኣልባሳት ዝገረማ ደቂኣንስትዮ ናብ ጐደና ሓርነት እናተጠውያ
መግለጺ ስእሊ, ብድሙቕ ኣልባሳት ዝገረማ ደቂኣንስትዮ ናብ ጐደና ሓርነት እናተጠውያ
ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ብወግዒ ዝኸፈቶ ምርኢት ጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቀሪቡ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ብወግዒ ዝኸፈቶ ምርኢት ጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቀሪቡ ኣሎ
ደድሕሪ ካርኒቫል ክስዕቡ ዝተራእዩ ባንዴራታትን ቆጽልን ዝሓዙ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብ ጐደና ሰማእታት
መግለጺ ስእሊ, ደድሕሪ ካርኒቫል ክስዕቡ ዝተራእዩ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብ ጐደና ሰማእታት
ንሃገራዊ ሕብርታት (ቀይሕ፡ ሰማያዊ፡ ቀጠልያን ብጫን) ብዝውክል ኣልባሳት ዝወቀባ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ካርኒቫል ተሳቲፈን ነይረን
መግለጺ ስእሊ, ንሃገራዊ ሕብርታት ብዝውክል ኣልባሳት ዝወቀባ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ካርኒቫል ተሳቲፈን ነይረን
ምስሊ ናይታ ሃገራዊ ኣርማ ኤርትራ ዝኾነት ገመል እትመርሖ ካርኒቨላ ኣስመራ ብጐደናታት እናሓለፈ። ባንዴራ ኤርትራ ዝተሸለመት ሚከናን ተሳተፍቲን ደድሕሪኣ እናሰዓቡ
መግለጺ ስእሊ, ምስሊ ናይታ ሃገራዊ ኣርማ ኤርትራ ዝኾነት ገመል እትመርሖ ካርኒቨላ ኣስመራ ብጐደናታት እናሓለፈ
ባህላዊ ልብሲ ዝተኸድኑ፡ ኲናትን ዋልታን ዝሓዙ ኣጓብዝ እናደበሉን እናሳዕስዑን
መግለጺ ስእሊ, ባህላዊ ልብሲ ዝተኸድኑ፡ ኲናትን ዋልታን ዝሓዙ ኣጓብዝ እናደበሉን እናሳዕስዑን
ብዓረቢያ ዝንቀሳቐሱ
መግለጺ ስእሊ, ብዓረቢያ ዝንቀሳቐሱ ስንኩላት'ውን ካብቲ ጽንብል ኣይበኾሩን
ኣብ ማእከል ጐደና ሓርነት ዘብሮኻ ተሳተፍቲ ካርኒቫል
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከል ጐደና ሓርነት ዘብሮኻ ተሳተፍቲ ካርኒቫል