ትራምፕን ነታንያሁን፡ ትልሚ ምቕያር ማእከላይ ምብራቕን ዝፈጠርዎ ዘይዓርፍ ቅልውላውን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕን በንጃሚን ነታንያሁን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝርከብ ዓወት ንማእከላይ ምብራቕ ዳግም ክሰርዖ እዩ ዝብል እምነት ነይርዎም።
እቲ ዞባ ብርግጽ ዳግም ይቐውም ኣሎ፤ እንተዀነ በቲ ንሳቶም ዝተጸበይዎ መንገዲ ኣይኰነን። እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣይተሳዕረትን።
ሕጂ ዘሎ ስግኣት፡ ናብ ቅሉዕ ውግእ እናኣተወን እናወጸን ዝቕጽል፡ ነዊሕን መዳኸምን ዝዀነ ቀጻሊ ቅልውላው (permacrisis) ናይ ምፍጣር ሓደጋ እዩ።
ስርዓት ኢራን ፡ ትራምፕን ነታንያሁን ካብ ዝገመግምዎ ንላዕሊ፡ ንምስባሩ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነ ሓይሊ ኰይኑ'ሎ። ገምጋሞም ጌጋ እዩ፣ ሳዕቤናት ናይቲ ኵነታት ድማ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።
እቲ ኣብዚ መወዳእታ ፍጻመ - ኢራን ነታ ኣፓቺ ዝተባህለት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ሃሪማ ምውዳቓ ሓደ መርኣያ እዩ።
እዚ ድማ፡ መራሕቲ ኢራን ንኣመሪካውያን ክሃስዩ ከም ዝኽእሉን ካብዚ ውግእ እዚ ተዓወቲ ኰይኖም ንምውጻእ ዘለዎም ቈራጽነትን ስድሪ'ኳ ትዅን ንድሕሪት ከም ዘይብሉን ዘዘኻኽር ካልእ መርኣያ እዩ።
ንዓኣቶም፡ ዓወት ማለት ህልውና ምርግጋጽን መከላኸሊ ዓቕሞም ምሕያልን ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ስትራተጅያውያን መስመራት ማይ ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዎም ቍጽጽር ብምርግጋጽ ዝግለጽ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕን ጀነራላቱን፡ ነቲ ናይታ ሄሊኮፕተር ክሳራ ዝወሃብ ግብረ-መልሲ ክልክዕዎ ክፍትኑ እዮም።
እዚ ድማ ብቐሊሉ ክድፍኡ ከም ዘይክእሉ ብተመጣጣኒ ሓይሊ ንምርኣይ እዩ። እንተዀነ፡ ብሓደ ወገን ነቲ ክሳብ ሕጂ ፍረ ዘይሃበን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ንምዕቃብ እዩ። ኣባላት በረራ ሄሊኮፕተር ኣፓቺ ካብ ሞት ድሒኖም እዮም፤ እንተ ዝቕተሉ ነይሮም ግን ምናልባት ተሪር ምላሽ ክስዕብ ዓቢ ተኽእሎ ነይርዎ።
ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋትን ብዛዕባ ዓበይቲ ጉዳያት ዝግበር ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ዘተን ውዕላት ንምስማማዕን፡ ካብቲ ኢራን ዘዋህልለቶ ዝበልጸገ ዩራኒዩምን ካልእ ዝሰፍሐ ንዩክለሳዊ መደባታን ውጽኢት ተጸብዩ ነይሩ።
እቲ ውግእ ኣብ ኣመሪካ ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ ንሱ ድማ ከም ዓወት ገይሩ ከቕርቦ ዝኽእል መውጽኢ ይደሊ ኣሎ፤ እዚ ግን ከቢድ ብድሆ እዩ።
ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን፡ ሓደ ጥንታዊ ትምህርቲ ይቐስሙ ኣለዉ።
ደቂ ሰባት ጥበብን መርገምን ውግእ ካብ ዝረኽቡ ጀሚሮም፡ መራሕቲ፡ ውግእ ብንጹር ዓወት ካብ ምዝዛም ንላዕሊ፡ ምጅማሩ ዝቐለለ ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም።
ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ለካቲት ንሃገራቶም ምስ ኢራን ናብ ውግእ ክመርሑ እንከለዉ፡ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝነበሮ መግለጺታት ቪድዮ ኣውጺኦም እዮም። እዚ ድማ እዋን ታሪኻዊ ለውጢ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘንጸባርቕ ቃላት ዝሓዘ ኰይኑ፡ እቲ ካብቲ ውድቀት ሻህ ኣብ 1979 ኣትሒዙ ንኢራን ዝመርሕ ዘሎ እስላማዊ ሰውራ፡ ክወድቕ ከምዝተቓረበ ዝገልጽ እዩ ነይሩ።
ኣብ ማር-ኣ-ላጎ፡ ማለት እቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መዘናግዒኡ ኰይኑ ትራምፕ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንተቐወምቲ ስርዓት ኢራን "ሓገዝ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ዝኣተወሎም ቃል ከም ዝመጸ ከዘካኽር ተሰሚዑ።
"ኣንቱም ዓበይትን ሕቡናትን ህዝቢ ኢራን! ሎሚ ምሸት ናይ ሓርነትኩም ሰዓት ቀሪባ ኣላ እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ ኣባይትኹም ጽንሑ፣ ንግዳም ኣይትውጽኡ፣ ኣብ ደገ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ዘሎ፣ ቦምባታት ኣብ ኵሉ ቦታ ክወድቕ እዩ፤ ክንውድእ ከለና፡ መንግስትኹም ተረከቡ፣ ንሱ ናትኩም ግደ ክኸውን እዩ፤ እዚ ምናልባት ንወለዶታት ዝኸውን እንኮ ዕድልኩም ክኸውን እዩ።"
ንጽባሒቱ ንግሆ ድማ ነታንያሁ መልእኽቱ ንምቕዳሕ፡ ኣብ ማእከል ቴል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ በሪኽ ህንጻ ምኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል - ኪርያ፡ ኣብ ትሕቲ ብራቕ ጸሓይ ደው በለ። ከም ትራምፕ፡ ንሱ እውን ዓወት ርጉጽ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ።
"እዚ ናይ ሓይልታት ኪዳን፡ ነቲ ን-40 ዓመታት ክምነዮ ዝጸናሕኩ ክንገብር የኽእለና፤ ነቲ ሽበራዊ ስርዓት ፈጺምና ክንድምስሶ ኢና፤ እዚ እዩ እቲ ኣነ ዝኣተወኽዎ ቃል፣ እዚ ድማ እዩ እቲ ንሕና ክንገብሮ እንኽእል።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነታንያሁ ኣብ ምሉእ ናይ ፖለቲካ ህይወቱ፡ እቲ ንእስራኤል ዘለዋ ናይ ሓቂ ስግኣት ካብ ኢራን እምበር፡ ካብ ፍልስጤማውያን ይዅን ካብቶም ጐረባብቱ ሃገራት ዓረብ ከም ዘይኰነ ክከራኸር ጸኒሑ እዩ። ንሱ፡ ካልኦት ፕረዚደንታት ኣመሪካ ኣብ ምጥቃዕ ኢራን ምእንቲ ክሓብርዎ እኳ እንተፈተነ፡ ኣይተዓወተን - ትራምፕ ግን ዝተፈልየ እዩ።
ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ንእስራኤል ካብ ዘጥቅዓሉ ጀሚሩ ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት፡ ነታንያሁ ንእስራኤላውያን እቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ሓይሊ ሰራዊቶም ንጸላእቶም ስዒሩ ዝያዳ ሃብታምን ውሑስን መጻኢ ከም ዘምጽእ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ፍታሕ ሓይሊ ደኣ እምበር፡ ዘተ ኣይነበረን።
ነታንያሁ ሓደ ግዚኡ ዝመጸሉ ሰብ ይመስል ነበረ፤ ብኣንጻሩ ግን ትራምፕ ነቲ ሰኑይ ንበይሩት ንምጥቃዕ ዝነበሮ መደባት ክስርዞ ምስ ነገሮ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ምስ ቀረበ፣ ጸሓፊ ዓምዲ ናይ ሓንቲ ዓባይ ጋዜጣ እስራኤል ዝዀነ ቤን ካስፒት፡ "ናታንያሁ ልክዕ ከም ዝነፈሰት ባላንቺና ይመስል" ክብል ተዛሪቡ።
ካስፒት፡ ሓደ ካብቶም ሓያላት ነቐፍቲ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል እዩ። ነታንያሁ ነቲ ዞባ ናብ ድሌቱ ንምምብርካኽ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስትራተጅያዊ ኣካይዳኡ ፈሺሉ ከም ዘሎ ንጹር እዩ።
ትራምፕ ቅልጡፍ ዓወት እዩ ተጸብዩ ዝነበረ። ሰራዊት ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬነዙወላን በዓልቲ ቤቱን ጨውዩ፡ ናብ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕኑ፣ ኣብ ካራካስ ድማ ተኣዛዚ ተካኢ ከቐምጥ ከሎ ብሓጐስ ተዓዚቡ እዩ። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝገበርዎ ዘይውዳእ ውግኣት ኣዝዩ ዝሓሸ፡ ንጹር ኣብነት ናይ ለውጢ ስርዓት ከም ዝዀነ ከም ዝኣምን ገይሩዎ። ኣብቲ ዝርዝር ድማ እታ ትስዕብ ኢራን ክትከውን ነበራ።
ክልቲኦም መራሕቲ እንታይ ከም ዝተበላሸወ ዝግረሙ ክዀኑ ኣለዎም። ኣመሪካ ኣብ ዓለም ነቲ ዝሓየለ ሰራዊት እትውንን፣ እስራኤል ድማ ሓያል ሃገር ማእከላይ ምብራቕ እያ።
ትራምፕን ነታንያሁን፡ ነቲ ኣብ ቴህራን ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ እገዳታት፡ ሕማቕ ምሕደራን ብልሽውናን ብዝሰዓበ ቍጠባዊ ቅልውላው ይዳኸም ከምዘሎ ክርእዩ ጸኒሖም እዮም።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኢራን፡ ማለት ሓማስ ኣብ ቓዛን ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስን፡ ሓያል መጥቃዕቲ ኣውሪዳ እያ። እቲ ካልእ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢራን ዝዀነ ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ካብ ፕረዚደንትነት ሶርያ ተኣልዩ ናብ ሞስኮ ክሃድም ኰይኑ እዩ። ኣብ ጥሪ እቲ ስርዓት ኣሽሓት ዜጋታት ኢራን ብምቕታል፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ግዙፍ ሰለማዊ ሰልፍታት ጨፍሊቝ እዩ።
እዞም መራሕቲ፡ ተጻዋርነት፡ ጭካነን ብቕዓትን እቲ እስላማዊ ስርዓት ኣትሒቶም ገሚቶምዎ። ነቲ ላዕለዋይ መራሒኡን ናይ ቀረባ ኣዘዝቱን ምቕታል፡ እቲ ስርዓት ካብ ውሽጡ ክፈርስ ክገብሮ እዩ ኢሎም ጥራይ ኣሚኖም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ተኸታተልቲ ሓደጋታት ዘጋጠሞ፡ መጥቃዕቲ ተጻዊሩ ከም ዝንበር ባዕሉ ዝተሃንጸ፡ ብሃይማኖታዊ ከምኡ'ውን ርእዮተ-ዓለማዊ እምነታቱ ዝተደገፈ ሃገራዊ ጸጥታ ብዕምቈት ዝሓሰበሉ ስርዓት፡ ዘለዎ ውጽኢታውነት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመና ኣጋኒኖም ገሚቶምዎ።
እተን መሻርኽቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝዀና፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ካልኦት ሃብታማት ነዳዲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ከቢድ መጥቃዕቲ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ድማ፡ ካብ ፔትሮኬሚካልን ከም ድዅዒ ዝበሉ ተረፈ-ፍርያቶምን ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣታዊታት ምጥፋእ ጥራሕ ኣይኰነን ኣስዒቡለን፤ መጻኢአን ኣብ ዙርያ እቲ ወሽመጥ ናይ ምርግጋእ ደሴታት ብምዃን ከምኡ'ውን ናይ ብዙሕ ቢልዮናት ዶላራት ንግዲ ኣብ ምፍጣር እዩ ተሃኒጹ። እቶም ክመጹ ዝኽእሉ ወፈርትን በጻሕቲን ድማ፡ እዚ ውግእ እዚ ነቲ ኵሉ ራእይ ናብ ናይ ሰረበ-ራእይ (ሚራዥ) ክቕይሮ ይርእይዎ ኣለዉ።
ስርዓት ኢራን፡ ህልውናኡን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻውን ነተን ንጐረባብቱ ሃገራት ወሽመጥ ብምጥቃዕን ንዓለማዊ ቍጠባ ብቐሊሉ ዝሓነቐሉ ኣገባብን፡ ናብቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እስራኤልን ዘለዎ ነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መከላኸሊ ዓቕሚ ክቕየር ከም ዝኽእል ይኣምን።
እቶም ብእስራኤልን ኣመሪካን ንዝተቐትሉ ዓቃባውያን መራሕቲ ኢራን ዝተክኡ ሰባት፡ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእዮተ-ዓለማውያን እዮም። ኣብቲ ከም ህልውናዊ ቃልሲ ዝርእይዎ ጉዳይ ሓደጋታት ንምውሳድ ብዝሓየለ ድሉዋት ኰይኖም ኣለዉ። ቃላት ጥራይ ኣብ መጻኢ ካብ ኣመሪካ ወይ እስራኤል ዝመጽእ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዘይዓግቶ ይኣምኑ፤ ብኣንጻሩ፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ናብ ኣሳቐይቲ ሳዕቤናት ከም ዝመርሕ ከርእዩ ይደልዩ።
ሓደ ኣገዳሲ ኣካል ናይቲ ስትራተጅያዊ ኣካይዳኡ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ውግእ ምስቲ ኣብ ወሽመጥ ዘሎ ውግእ ምትእስሳር እዩ። መልእኽቲ እቲ ስርዓት ንትራምፕ፡ እስራኤል ንሊባኖስ ምድብዳብ እንተ ቐጺላ፣ ከምኡ'ውን ነቲ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ከም ናይ ቅድሚት መከላኸሊ ኣንጻር እስራኤል ክዅስኵሶ ዝጸንሐ ዕጡቕ ሓይልን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ዝዀነ ሕዝቦላህ ንምድምሳስ እንተ ፈቲና፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ስምምዕ ክጽበ ከም ዘይብሉ እዩ።
ትራምፕ፡ ስምምዕ ቀሪቡ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት (እዚ ድማ ንሱ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ኣዛቢዑ ዝገለጾ ሓሳብ)፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝነበራ መደባት ብምዕጋት፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝፍጸምን እቲ ኣብ ወሽመጥ ዝኽሰትን ዘሎ ምትእስሳር ብስዉር ከም ዝተቐበሎ ኣርእዩ ኣሎ።
ሰኑይ፡ ነታንያሁ "ክጽወር ዘይክእልን ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ፡" ብምባል ነቲ ምትእስሳር ከም ዘይቅበሎ ተዛሪቡ። ጸገሙ ግን፡ ነቲ ኣብ ቴህራን ዘሎ ስርዓት ከም ዝተዳኸመ ክሳብ ዝእውጅ ውግእ ክቕጽል ካብ ዘለዎ ድሌት ኰይኑ፡ ትራምፕ ግን ንናቱ ጥቕምታት ውግእ ናይ ምቁራጽ ድሌት ዘቐድም ምዃኑ እዩ።
ነታንያሁ ነቲ ኣብ ልዕሊ በይሩት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ ሰሪዝዎ እዩ። እንተዀነ፡ ካብኡ ጀሚሩ ግን ሰራዊት እስራኤል ንደቡብ ሊባኖስ ምድብዳብ ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ መጋቢት ዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ ሰነ ተዓጽዩ እንተ ጸኒሑ፡ ከቢድ ዓለማዊ ቍጠባዊ ሳዕቤናት ክስዕብ ከም ዝኸእል ዘጠንቅቁ ህጹጻት መግለጺታት ነይሮም እዮም።
እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንኢራን ቅድሚ ምጥቃዐን ክፉት ዝነበረ ኣገዳሲ መስመር ማይ ተዓጽዩ ምጽንሑ ጥራይ ኣይኰነን፤ ብዘይ ፍሉይ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዳግም ክኽፈተሉ ዝኽእል ዕድል የለን።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
