መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ናብ ኣመሪካ ዘተኰረ መደረኡ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV/screenshot

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ብምኽንያት መበል 35 ናጽነት ኤርትራ፡ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ሃገራዊ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሓያሎ መዳያት ኣካይዳን ፖሊሲታትን ኣመሪካ ኣልዒሉ ተዛሪቡ።

እዚ ናይዚ ዓመት ጽንብል ናጽነት በቲ ዝውቱር መልክዑ፡ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ደሚቑ እዩ ተጸንቢሉ።

ኣብቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ዝተሳተፈሉ ጽንብል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መደረኡ፡ ውሽጣዊ ኵነታት እታ ሃገር ካብቲ ዞባዊን ዓለማውን ኵነታት ፈሊኻ ክርአ ኣይከኣልን ብዝብል ምጕት፡ ነቲ ምስ ምምጻእ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተወስደ ስጕምቲታት ጠቒሱ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘስምዖ መደረ ብምጥቃስ እዩ ኣብዚ ዓመት ንዝተራእየ ምዕባለታት ዘርዚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓል ናጽነት እውን፡ ምስ ምምጻእ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣንን ኣመታቱን ክብል መደረኡ ከፊቱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ናይ ሎምዘበን መደረ፡ "ምስ ፍሉይነቱን ርዱእ መድረኻዊ ሚዛን ኣመሪካ፡" ብምባል ናብ ዋሽንግተን ብምትኳር፡ ኣብ መገምገሚ መወከሲታት ርኢኻ መርትዖታት ምውህላል እምበር፡ "ነቲ ከቢድን ዝተሓላለኸን ኵነታት" ክብል ዝገለጾ ምዕባለታት "ህዉኽ መደምደምታታት ከይሃብካ ብትዕግስቲ ምክትታል" ከም ዝሓይሽ ኣመልኪቱ።

ንህዉኽ ጭርሖ 'MAGA' (Make America Great Again) ትራምፕን ትርጉሙን ንምድህሳስ መፈልፈሊ ኣርእስታት ርኢኻ ካብቲ ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት፡ ቴክኖሎጅያዊ ጸብለልትነት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ክልተ ስሉጥ ዋጋታት… ኣብ መቓን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ኣመሪካ ኣውራ ኣብ ሞንጎ ዝሑል ኲናታትን ናይ ዝሓለፈ ኡንኮ ቀጽራዊ መዋእል እንተ ደኣ ርኢናዮ መጻኢ ኣመታትኡ ንምፍላጥ ወይ ንምርዳእ እዋናዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ሒዙዎ ዝመጽአ፡ 'ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባር' ዝብል ጭርሖ ማጋ፡ ትርጕሙ፡ ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት፡ ቴክኖሎጂያዊ ጸብለልትነት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ዋሽንግተን ኣብ መዳይ ቍጠባ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ እውን ጠቒሱ፡ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ኢንዱስትርያውነትን ድላበ ሃብትን፡ ኣባኻኒ ባጀታዊ ዝርግሐ ዘዋህለሎ ገዚፍ ዕዳታት ኣልዒሉ።

"ብስሱዕ ቅንኢ ዓብልል ገብት ኣጋጣሚታት ታሪኽ ብዝፈጠረሎም ዕድል ዝተኸተልዎ ቍጠባውን ማላውን ሃይማኖታዊ ዕብላላ መዝሚዞም ከም ናትና ሓንጎልን መሃዝነትን የሎን፣ ካልኦት ክቐድሑ ጥራይ እዮም ዝኽእሉ ዝዓይነቱ ኣጕል ብሂል ሒዞም፡" ብምባል "ሕሱር ጉልበትን ጻዕርን ኣህላኽነትን ካልኦት ክምዝምዙ" ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝዓብለለ "ስነ-ሓሳብ ሳግም" ዝበሎ ዝሰዓቦ ስትራተጅያዊ ቍጠባዊ ኵነታት ዘርዚሩ።

"ዓሚ ዝጠቐስክዎ ዝጋልብ ዝነበረ ዕዳ 30 ትሪልዮን [ዶላር] ዋሸንግተን ሎሚ ናብ 40 ትሪልዮን ይዓርግ ምህላዉ ቀሊል ምስክር'ዩ።"

እዚ ይዅን ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ መራሒ ኣመሪካ - ትራምፕ ነቲ "ሓደጋን ምንቍልቋልን" ምእማኑ ከም እወታ ከም ዝርአ ጠቒሱ፡ እቲ "መፈውሲ ኢሉ ዝኽተሎ ዘሎ ጽገናታት" ዘርዚሩ "ክሰርሕ ይኽእልዶ?" ዝብል ሕቶ ኣቐሚጡ።

ንወተሃደራዊ ኵነታት ኣመልኪቱ'ውን፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ክነቕፎ ዝስማዕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ኣልዒሉ፡ "ፈርካሽ ቊመና [ኔቶ] ከም መርኣያ ከይወሰድካ፡ ብመጀሃሪ ትያትሮታት፡ ታህዲዳት ንንኣሽቱ እናደሃኽካን እናቐተልካን፡ ብዝሒ ንዩክሌራዊ ኣጽዋር፡ ዕንዙራታት (ድሮናት) ወይ ሚሳይላት ጥራይ ዝልካዕ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ሰበስልጣን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV/screenshot

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መደረኡ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ንጉዳይ ቬነዝወላን ብፍሉይ ስርሒት ኣመሪካ ተጨውዩ ዝተወስደን መራሒኣ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኲናት ኢራን ሕቶ ግሪንላንድ፡ ካናዳ፡ ሜክሲኮ፡ ኵባ ኣልዒሉ፡ እቲ ጉዳይ "ባህርያዊ ሃብቲ ድዩ? ክሊ ድልዋ ድዩ? ንዝና ድዩ? ሳዕቤናቱኸ እንታይ ክመስል ይኽእል። ናይ ብሓቂ ንምርድኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ ገምሪ ዘይብሉ ዓቕሊ ዝሓትት'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ኣተሓሒዙ፡ "ኑክሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ኣብ ፈለማ 1970ታት ኣብ ዘመነ ሻህ ዝጀመረ'ዩ። ብናይ መን ደገፍን ምትብባዕን ናቱ መልሲ ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ብሓፈሻኡ ሕቶ ዋንነት ንዩክለሳዊ ኣጽዋር መን እዩ ዝፈቅድ በየናይ ሕጋዊ መሰል ክብል እቲ ዛዕባ ናይ ዓመጽ ምዃኑ ኣሚቱ።

ምስ ናይዚ ኵሉ ግን፡ ትራምፕ ንበይኑ ክንቀፍ ከም ዘይግባእ ብምምልካት፡ ኢሳይያስ፡ "እቶም ኣበራቱ እናረኣዩ ዘሳስዩ ዘለዉኸ ኢልካ ምሕታት'ውን ኣሎ። ንትራምፕ ክጠብሱን ከጋግዩን ህርድግ ዝብሉ ከም ዘለዉ'ውን ክርሳዕ የብሉን፡" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ናብ ንቡር ንምምላስ ጭቡጥ ምዕባለታት ይርአ ምህላዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዲፕሎምስያዊ ዝምድናን ኣመልኪቱ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረቦ የለን።

ካብቲ ዝውቱር ኣንደበቱ ብዘይፍለ ቃናን ትሕዝቶን እዩ ንፖሊሲ ኣመሪካ ክነቅፍ ተሰሚዑ።

ንእዋናዊ ዓለማዊ ኵነታት ብምዝማድ ንኣፍሪቃ ዝጠቐሰ መደረ ፕረዚደንት፡ "ሓድነት ኣፍሪቃ ማዕረ እቲ እዋን ዝሓቶ ተልእኾ እንተ ዘይደዪቡ፡ ተዛማድነት ኣይክህልዎን እዩ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ንዘቤታዊ ጉዳያት ብዝምልከት'ውን፡ ናይ ዓሚ መደረኡ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ 'ሓፈሻዊ ኣመት'፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ካብ ቊጠባ ዕንጋሎ ዘገላግለና ኣፍራይነትና ዘሐይልን፡ ምህርትና ብዘላቕነት ዘኻዕብትን፡ ናብ ብሉጽ ምምስራሕን ድለባ ክብሪን፡ ምስናዕን ኢንዱስትሪያውነትን ብሉጽ ኣገልግሎታትን ዘሰጋግር ክኸውን፡" ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

‎"በቲ ንብህጎ ብናህሪ ክንግስግስ ግን ፕሮግራማትናን ውጥናትናን ዳግም ምኽላስን ምጽፍፋንን፡ ምጕስጓስ ጸጋታት ከነዕቢ ስለ ዘለና ኣብ ዓመት 2026 ሰገጥ ምባል ኣይስኣንን'ዩ።"

‎ተሳታፍነት ህዝቢን ሞያውያንን፡ ከምኡ'ውን "ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሓርበኛታት ዜጋታትና" ወሳኒ ምዃኑ ኣሚቱ።

‎እቲ እናዓነወ፡ እናኸፍአን እናንቈልቈለን ክመጽእ ዝጸንሐ ትሕተ-ቅርጽታት፡ ጽርግያን ኣባይትን፡ "ከምቲ ዝተነድፎ ክዓቢ'ዩ፡" ክብል ተስፋ ዝሃበ እቲ ፕረዚደንት፡ ጉዳይ ጸዓትን ማይን'ውን ክመሓየሽ ምዃኑ ገሊጹ።

‎ኣብ ጉዳይ እቲ እናተዳኸመ ክመጽእ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ኣገልግታት'ውን ትምህርቲን ጥዕናን "ዓቢ ትጽቢት ኣሎ" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተመባጺዑ'ሎ።

ሰበስልጣን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV