ኬሚካል 'ፎርኤቨር ' ኣብ እትሰትይዎ ማይ ዘሎ ዘደንጹ ሓቅታት

ምንጪ ስእሊ, Getty
ካብ መዐሸጊ መግቢ ክሳብ ኣብ ዝስተ ማይ ኮታስ ኣብ ኵሉ ክረአዩ ዝጸንሑ 'ኬሚካላት ፎርኤቨር ' ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ኣቓልቦ ረኺቦም።
ተመራመርቲ'ውን ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ንምርዳእ ይረባረቡ ኣለዉ።
ንምዃኑ 'ፎርኤቨር ኬሚካልስ' እንታይ እዮም?
ፎርኤቨር ኬሚካልስ ወይ PFAS (per- and polyfluoroalkyl substances) ዓቢ ክፋል ስይንተቲክ ኬሚካላት እዮም።
እቲ ድልዱል ናይ ካርቦንን ፍሎሪንን ምትእስሳሮም ኣብ ተፈጥሮ ኬሚስትሪ ካብቶም ዝተረሩ ንጽል ምትእስሳራት ሓደ እዩ።
እዚ ድማ ንምንታይ ካብ 1940ታት ጀሚሮም ኣብ ማይ፡ ዘይትን ሙቐትን ክጻወሩ ኣብ ዝተዳለዉ ፍርያት ከም ዝጥቀሙሉ ዘርኢ እዩ።
ተመራመርትን ኣቕረብቲ ፍርያትን'ውን ነዚ ምትእስሳር እዚን ንድልዳለኦምን ተጠቒሞምሉ እዮም።
ግደ ሓቂ ኬሚካላት ፎርኤቨር ኣብ መዓልታዊ ህይወት ከም ዘጋጠሙና ኣየከራኽርን እዩ። ከም ዘይምርት ድስቲን ንመሰራርሒ እንጥቀመሎም (non-stick cookware)፡ ማይ ዘይኣትዎ ኣልባሳትናን መዐሸጊ መግብን ዝኣመሰሉ ዕለታዊ እንጥቀመሎም ፍርያት ኵሎም ኣብ ኬሚስትሪ ፒኤፍኤኤስ ዝተመርኮሱ እዮም።
እንተኾነ እቲ ድልዳለኦም ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘይብሉ ኣይኮነን።
ምትእስሳር ካርቦንን ፍሎሪንን ንምብታኽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዞም ኬሚካላት ካብ ከባቢና ዘይለቁ ብምዃኖም ድማ እዩ፡ 'ዘልኣለማዊ ኬሚካላት' (ፎርኤቨር ኬሚካልስ) ዝብል ሳጓ ተዋሂብዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ፒኤፍኤኤስ ኣብ ማይ ዝፈስሱን ኣዝዮም ተንቀሳቐስቲን እውን እዮም። ናብ ከባቢና ምስ ተለቐቑ፡ ብቐሊሉ ብማይ ትሕተ-ምድሪን ሩባታትን ክጓዓዙ ስለዝኽእሉ፡ ኣብ ሓመድ፡ እንስሳ ዘገዳምን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሰባትን ክርከቡ ይኽእሉ።
በዚ መሰረት መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 99 ሚእታዊት ሰባት ኣብ ደሞም ክርአ ዝኽእል ፒኤፍኤኤስ ከም ዘለዎም ይሕብሩ።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት ገና እዚ መጠነ ሰፊሕ ተቓላዕነት ኣብ ዝተናውሐ እዋን ኣብ ጥዕናና እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ብልክዕ ንምርዳእ ይሰርሑ ኣለዉ።
ዛጊት ብዝተገብሩ መጽናዕትታት ኣብ ስርዓተ ምክልኻል፡ ደረጃ ኮለስትሮል፡ ኣብ ጥዕና ስርዓተ መፍረ፡ ጸላም ከብዲ፡ ጸገማት ታይሮይድን ንሕማም ዝተፈላልዩ መንሽሮታትን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለየ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ከም ዘተኣሳስሮም ይሕብሩ።
እቲ ጽቡቕ ዜና ግን ፒኤፍኤኤስ ኣብዚ እዋን'ዚ ስክፍታ ኣከባቢያዊ ጥዕና ዘይምዃኑ እዩ። እቲ ምንታይ ኣብዚ እዋን'ዚ ተቘጻጸርቲ፡ ተመራመርቲ፡ ትካላት ማይን ስድራቤታትን ዝያዳ ዓሚቕ ግንዛበ ዝዋህለሉ ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብ 2024፡ ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ (EPA) ንኽልተ ካብቶም ዝበለጹ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም ኬሚካላት ፒኤፍኤኤስ፡ ማለት ፐርፍሉሮኦክታኖይክ ኣሲድ (PFOA)ን ፐርፍሎሮኦክታንሳልፎኒክ ኣሲድን (PFOS) ሓድሽ ደረጃታት ዝስተ ማይ ኣመሪካ ኣተኣታትዩ። እቲ ገደብ ኣርባዕተ ክፋላት ኣብ ሓደ ትሪልዮን (ppt) ጥራይ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ውሑድ መጠን እዩ።
እዚ ማለት፡ ብግምት ማዕረ ሓደ ንጣብ ኣብ ሓሙሽተ ናይ ኦሎምፒክ ዝዓቐኑ መሐንበሲታት እዩ።
'ኬሚካል ፎርኤቨር' ኣብ ዝስተ ማይ ኣለዉ ድዮም?
እቲ መልሲ እወ እዩ። እቲ ማይ ዝተበከለ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ክሳብ ክንደይ ንዝብል ግን ብዝያዳ ኣብ እንነብረሉ ቦታ እዩ ዝምርኮስ።
ኣብ 2023 ጂኦሎጂያዊ ዳህሳስ ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 45 ሚእታዊት ካብ ዝስተ ማይ ኣመሪካ እንተወሓደ ሓደ ፒኤፍኤኤስ PFAS ውህደት ክህልዎም ከም ዝኽእል ገሚቱ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ቀረብን ናይ ብሕቲ ዒላታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ናብ ከተማታትን ዝቐረቡ ቦታታት ብከላ ተራእዩ።
እቲ ዝሰክፍ ድማ ፒኤፍኤኤስ ናብ ዝስተ ማይ ብቐሊሉ ክኣትውን ክብክሉን ዝኸእሉ ምዃኖም እዩ።
ብPFAS ዝተበከሉ ነገራት ክድርበዩ ከለዉ፡ ምስ ግዜ እዞም ነገራት እዚኣቶም እናኣረጉን እናተበታተኑን ይኸዱ እሞ፡ ንእሽቶ መጠን ፒኤፍኤኤስ ክዘሩቕ ይኽእል። ዝናብ ምስ ዝዝነብ ድማ ነቲ ኬሚካላት ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ሓመድን ማይ ትሕቲ ምድርን ክወስዶ ይኽእል።
ብዘይካ'ዚ 'ኬሚካል ፎርኤቨር' ማይ ኣብ ዘየሕልፉ ኣልባሳት'ውን ስለዝርከብ፡ ኣብ እንሓጽበሉ እዋን ንእሽቶ መጠን ፒኤፍኤኤስ ምስቲ ረሳሕ ማይ ተሓዊሱ ይኸይድ። መብዛሕትኦም መጽረዪ ርስሓት ማይ ድማ ነዞም ኣዝዮም ጽኑዓት ኬሚካላት ከም ዝአልዩ ኰይኖም ስለዘይተሰርሑ መብዛሕትኡ ግዜ ብስርዓተ ምጽራይ ሰሊኾም ናብ ሩባታትን ቀላያትን ይሓልፉ።
ብኸምዚ ድማ ነዊሕ ተጓዒዞም፡ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ናይ ገዛውቲ ማይ ቡንባ ዝዕድል ምንጭታት ክበጽሕ ይኸእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ተቓላዕነትና ብኸመይ ክቕንስ ይኽእል?
እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ምቅላዕ ግድን ዘይተርፍ ኰይኑ ክስምዓና የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ገዛና ብቴክኖሎጂ ሪቨርስ ኦስሞሲስ (RO) ነቲ ዝተረፈ ፒኤፍኤኤስ ከነጻርዮ ንኽእል ኢና።
በዚ ድማ ሞለኲዩላት ማይ (ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ) ብትቦ ኣቢሎም ምስ ሓለፉ ከም PFOS፡ PFOA፡ ዝኣመሰሉ ዝተፈልላየ ዓቐን ዘለዎም ብከላታትን ተጻሪዮም ይተርፉ።
እዚ ብተክኖሎጂ ዝተደገፈ መጻረዪ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንጥቀመሉ እንኸእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላልየ ገዛውቲ ዝተፈላልየ ዓይነት መጻረዪ ከምዘድሊ ግን ክንዝንግዖ የብልናን።
ንኣብነት ከም ባላንስድ ሪቨርስ ኦስሞሲሲ ሲስተም 'Balanced Reverse Osmosis System' (G3P800)ን ፍላግሺፕ ሮሲስተም' (X16) ዝኣመሰሉ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎም ስርዓተ ምጽራይ፡ ገለ ኣብ ትሕቲ መሕጸቢ ኣቑሑትና ገለ ድማ ኣብ ላዕሊ ከብሒ ዝቕመጡ፡ ኣብ ቤትና ብቀሊል ኣገባብ ከንተኽሎም ንኸእል እዮም።
ብዘይካ'ዚ ንሓዋሩ ክንክተሎ ስለዘይንግደድ ኣብ ክራይ ገዛ ምስ እንነብር እውን፡ብቀሊሉ ክንጥቀመሉ እንኸእል መጻረዩ ማይ እዩ።
እቲ ዋና ነገር ፒኤፍኤኤስ ከምዘሎ ፈሊጥና ጥንቃቐ ምዝውታር እዩ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


