ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ሎሚ ፈሊሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ሰዓብቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንምብራኽ፡ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዑደት ጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ን11 መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት፡ "ኣቓልቦ ዓለም ናብ ኣፍሪቃ ንምስሓብ" ዝዓለመ ምዃኑ ሰበስልጣን ቫቲካን ገሊጾም ኣለዉ።
ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣልጀርስ ዝኣተዉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት እታ ሃገር ብምጻሕ ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 288 ሚልዮን ካቶሊካውያን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከቡ።
ቫቲካን ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ድማ ኣብታ ክፍለ-ዓለም ዘሎ ብዝሒ ዝተጠምቁ "ዘደንቕ ወሰኽ" የርኢ ከም ዘሎ ኣፍሊጣ።
እታ ዑዶም ዝፈለሙላ ኣልጀርያ፡ መበቈል ናይቶም ጳጳስ ዝስዕቡዎ ሕጊ ዘውጽኡ ቅዱስ ኦግስቲን ብምዃና ፍሉይ ትርጕም ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብኡ ድማ ምስ እስላማዊ ዓለም ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ኣልጀርስ ዝርከብ ዓቢ መስጊድ ክበጽሑ እዮም።
ቀጺሎም ናብ ካሜሩን ብምጓዓዝ፡ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ኣብ ባሜንዳ ናይ ሰላም ጸሎት ክመርሑ እዮም።
እቲ ዑደት፡ "ኣብ መንጎ ሰባት ስኒት ዝነግሰሉ ሓድሽ ዓለም ንምህናጽ፡" ዝዓለመ ምዃኑ ዝገለጹ ሰበስልጣን ናይታ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ኣንጎላን ኢኳቶሪያል ጊኒን እውን ዛዕባታት ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ቀዳምነት ክወሃቦም ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እዚ ዑደት እዚ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ካብ ዝምረጹ ጀሚሮም ናብ ወጻኢ ዝገብሩዎ ካልኣይ ዓቢ ዑደት ኰይኑ፡ ንኣፍሪቃ ከም፡ "ናይ እምነት፡ ተጻዋርነትን መጻኢ ዕብየትን ቦታ፡" ገይሮም ከም ዝርእዩዋ ዘረጋግጽ እዩ።
እቶም 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ኣብዚ ሰፊሕ ዑደቶም ምስ ፖለቲካውያን መራሕትን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ብምርኻብ ኣስታት 25 ዝዀኑ መደረታት ከስምዑ ትጽቢት ይግበር።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


