ምስልታት በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ኤርትራን ትግራይን

ኣብ ሜዳ ኲሶ እግሪ ከተማ ከረን ዝተኻየደ ናይ ሰጸሎት ስነ-ስርዓት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሜዳ ኲዕሶ እግሪ ከተማ ከረን ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነ-ስርዓት
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዘኽብርዎ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ።

ዒድ ኣልኣድሓ፡ 'በዓል መስዋእቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሕሩድ ዝጽንበል'ዩ።

እቲ በዓል ነቲ ነብይ ኢብራሂም ንወዱ እስማዒል ንምስዋእ ድልውነቱ ዘረጋገጸሉ ፍሉይ ፍጻመ ዝዝክር እዩ። ኢብራሂም ኣብ እምነታት ክርስትናን ኣይሁድነትን ኣብርሃም ተባሂሉ ይፍለጥ።

ንገለ ካብቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኣከባብራ ዝውክል ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና፣

በዓል ኣል-ኣድሓ ፍሉይ ዝገብሮ ብሕሩድ ዝጽንበል ምዃኑ'ዩ። ኣብ ከረን ዝነበረ ዕሙር ዕዳጋ 'ማሓስ' ጤለ-በጊዕ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣል-ኣድሓ ፍሉይ ዝገብሮ ብሕሩድ ዝጽንበል ምዃኑ'ዩ። ኣብ ከረን ዝነበረ ዕሙር ዕዳጋ 'ማሓስ' ጤለ-በጊዕ መርኣያ ናይዚ'ዩ ነይሩ
ተሳተፍቲ ጸሎት ብሓደ ሞተርብሽክሌታ ፖሊስ ተመሪሖም ባንዴራ ሒዞም ብጐደና ሓርነት እናሓለፉ
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና'ውን ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብምእካብ ጸሎት ኣካይዶም
ኮፍ ኢሎም ኣብ ጸሎት ዝሳተፉ ቆልዑን ዓበይትን
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ዝርከብዎም ተቐማጦ ከተማ መቐለ ብወገኖም ዒድ ኣል-ኣድሓ ብሓባር ጸንቢሎሞ ውዒሎም
ደቂኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተሳቲፈን ነይረን
መግለጺ ስእሊ, ደቂኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተሳቲፈን ነይረን
እታ ማእከል ብዙሕነት እምነታትን ባህልን ዝኾነት ከረን ናብ ምድሪ ተደፊኦም ጸሎቶም ንፈጣሪ ዘብጽሑ ሰዓብቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ማእከል ብዙሕነት እምነታትን ባህልን ዝኾነት ከተማ ከረን ናብ ምድሪ ተደፊኦም ጸሎቶም ንፈጣሪ ዘብጽሑ ሰዓብቲ
ገለ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተኻየደ ስነስርዓት ጸሎት
መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም፡ ዝተኻየደ ስነስርዓት ጸሎት
ከረን፡ ካብቲ ስነስርዓት ጸሎት ዝምለሳ ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ሰዓብቲ እቲ እምነት
መግለጺ ስእሊ, ከረን፡ ካብቲ ስነስርዓት ጸሎት ዝምለሳ ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ሰዓብቲ እቲ እምነት
ብኣጋኡ ናብ ጸሎት ዘምርሑ ነበርቲ ከረን
መግለጺ ስእሊ, ጸሓይ ከይበረቐት ናብ ጸሎት ዝገስገሱ ነበርቲ እታ ከተማ