ተዛነዩ፡ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

‘መሃይምነት ይጥፋእ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘መሃይምነት ይጥፋእ!’
Published

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም መስሓቕ ስእልታት ነዚኦም ይመስሉ።

ተዓደሙታ!

‘መረረ ሰበይቲ ይገብር ነብሪ፡ መልሓስ ሰበይቲንከ የጥፍእ ነድሪ’
መግለጺ ስእሊ, ‘መረረ ሰበይቲ ይገብር ነብሪ፡ መልሓስ ሰበይቲንከ የጥፍእ ነድሪ’

ብኤንጅል ፊቶር ተሳኢላ ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዝተዓወተት ስእሊ እያ።

‘ስእሊ ስድራቤት’
መግለጺ ስእሊ, ‘ስእሊ ስድራቤት. . .ፍሽኽ'ባ በሉ’

ኣንድሩ ሊ፡ ነዛ ኣደ፡ ኣቦን ሸሞንተ ጫቝታቶምን ዝሓዘት ስእሊ ምስኣል ቀሊል ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

ኣሰርቲኦም ብሓደ ግዜ ክረክብ ብዙሕ መዓልታት ተጸብዩ፤ ድሕሪኡ ኣቦ ምስ ወጸ፡ ኣደ ጫቝታን እውን ስዒቦም። ኩሎም ድማ ሃንደበት ናብኡ ኣንፈቱ ክጥምቱ ጀሚሮም - ኣብታ ሕሞት ኣንድሩ ንፈለማ ግዜ ኹሎም ብሓባር ርእይዎም።

ነታ ክብርቲ ህሞት ድማ ብኸምዚ ታሪኽ ክትከውን ኣኽኢልዋ።

‘መስተንክር ኣናጹ’
መግለጺ ስእሊ, ‘መስተንክር ኣናጹ ኣብ ጽሙው እዋን. . .’

እዚ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት መገዲ ባቡር እዩ። ኣናጹ ከመይ ኢሎም ናብኡ ኣተዉ ዝብል ሕቶ ምሕታት ዕሽነት’ዩ። እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ግን . . . እንድዒ ግዲ!

‘ንጉስ ሓላዊ ዜጋ፡ ኣሞራ ሓላዊ ስጋ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ንጉስ ሓላዊ ዜጋ፡ ኣሞራ ሓላዊ ስጋ’

ኣደታተን ዘምጽኣለን ዓሳ ክምገባ ኣብ ዝጽበያሉ ዝነበራ እዋን፡ ሓንቲ ትዕግስቲ ዝሳነት ዑፍ ከም ‘ንግስቲ’ ትእዛዝ ክትህብን ቀዲማ ክትምገብን ደልያ።

‘ሃራሚት ሻምብቆ ኣብ ጓሳ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሃራሚት ሻምብቆ ኣብ ጓሳ’

ሮላንድ ክራንቲዝ ኣብ ሃንጋሪ ስኢልዋ፡ ‘ፍላውቲስት’ ክብል ድማ ሰምይዋ - ‘ሃራሚት ሻምብቆ’።

‘ሳዕስዕ’ሞ ስራሕኻ ኣይትረስዕ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሳዕስዕ’ሞ ስራሕኻ ኣይትረስዕ’

ኣብ ፔርዝ፡ ኣውስትራሊያ ተሳኢላ፤ ኣብ 2021 ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ካብ ዝነበሩ ብሉጻት ስእሊ ሓንቲ’ያ።

‘ሕኸኸለይ፡ ክሓከልካ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሕኸኸለይ፡ ክሓከልካ’

ኣብ ርሑቕ ሩስያ ኣብ ካምቻትካ ፒኒንሱላ ዝተሰኣለት’ያ።

‘ኣደ ካብ ስርሓ ክትምለስ፡ ደቃ ዓይኒ ዓይና. . .’
መግለጺ ስእሊ, ‘ወላዲት ዕለታዊ እንጌራ ማእሪራ ክትምለስ፡ ደቃ ዓይኒ ዓይና. . .’

ስሪላንካዊ ሰኣሊ ጋጋን መንዲስ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ተወዳዲሩላ ነይሩ።

‘ቁሪ ሎምዘበን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቚፍ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ቁሪ ሎምዘበን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቚፍ’

ኣብ ማእከላይ ቻይና ብሰንኪ ብርሰት ጫካ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣህባይ እዮም፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ከምዚ ዝበለ በረድን ቁሪን ኣይሃብካ’ዩ።