ምስጢር ፎብያ፡ ስለምንታይ ካብ ዘይጐድኡና ፍጥረታት ንርዕድ?

ምንጪ ስእሊ, Art Images via Getty Images
ሃንደበት ሳሬት ኣብ ምድሪቤትካ ክትጐዪ ምስ እትርእያ እንታይ ይስመዓካ? ወይ ድማ ብሃንደበት ኣብ ገዛኻ ለመም ዝብል ተመን ምስ እትርኢ፡ ልብኻ ክሳብ ዝጠፍኣካዶ ትስንብድ?
መብዛሕትኦም ዓሌታት ሳሬት መርዛማት እዮም፤ ይዅን'ምበር ካብኦም ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሓደጋ ከውርዱ ዝኽእሉ።
ዋላ'ኳ ጭቡጥ ጸብጻብ ምቕራብ ኣጸጋሚ እንተዀነ፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ዓመት ትሕቲ 10 ሰባት ብሰንኪ መንከስቲ ሳሬት ከም ዝሞቱ ይግመት።
እዚ እናዀነ ግን ብዙሓት ሰባት ፍርሒ ሳሬት ኣለዎም፤ ኣብ ክፍሎም ሳሬት ከም ዘሎ እንተ ፈሊጦም ድማ ፈጺሞም ዘይድቕሱ ሰባት ሓያሎ እዮም።
እዚ ከምዚ ዓይነት ክቱር ፍርሒ ድማ 'ፎብያ' ይበሃል።
ስለዚ እዞም እንስሳታት ከም ዘይጓድኡ ዋላ እናፈለጥና ንምንታይ ኢና ኣዚና ንፈርሖም?
ካብ ንቡር ፍርሒ ናብ ክቱር ስግኣት (ፎብያ)
ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኒው ጀርሲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ፕሮፌሰር ቫኔሳ ሎቤ፡ ፍርሒ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ስምዒታት ደቂ ሰባት ምዃኑ ትገልጽ።
ንሳ ንኣገዳስነት ፍርሒ ከተረድእ እንከላ፡ "ፍርሒ ካብ ዝጐድኡናን ሓደገኛታትን ነገራት ነብስና ንኽንከላኸል ዝደፍኣና ስምዒት ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፔክስ (ሃንጋሪ) ዳይረክተር ቤተ-ፈተነ 'ቪዥዋል ኮግኒሽን ኤንድ ኢሞሽን' ዝዀነ ኣንድራስ ዝሲዶ፡ ፍርሒ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምስ ዝኸውን ናብ ፎብያ ወይ ክቱር ፍርሒ ከም ዝምዕብል የረድእ።
"እዚ ከም ቀጻሊ ተለዋዋጢ መስርሕ ክንሓስቦ ንኽእል ኢና፤ ብመሰረቱ ካብ ኣዝዩ ንቡር ፍርሒ እዩ ዝጅምር፡ ኵሉ ሰብ ድማ ገለ ነገር ይፈርሕ እዩ፡" ይብል።
"ንመዓልታዊ ህይወትካ ከም ዕንቅፋት ኰይኑ ክረአ ምስ ጀመረ ግን፡ ሽዑ ከም ፎብያ ክንወስዶ ንኽእል ኢና፡" ብምባል ንደረጃታት ፍርሕን ክቱር ፍርሕን የረድእ።
ሎቤ ብወገና፡ ፎብያ ምስቲ ዘጋጥም ስግኣት ዘይመጣጠን ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ትዛረብ።
ንኣብነት ኣብ ገለ ክፍልታት ዓለም፡ ከም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መብዛሕትኦም ዓይነታት ኣትማን ንደቂ ሰባት ሓደገኛታት ኣይኰኑን፤ ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታታት ዝህሉ ፍርሒ ከም ፎብያ ክምደብ ይኽእል እዩ።
መርዛማት ኣትማን ኣብ ዘለዉዎ ከባቢ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ተመን ክቱር ፍርሒ ምስ ዝህለወካ፡ ምስ ፎብያ ኣይምደብን፤ ንቡር ፍርሒ ጥራይ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ምንጪ ስእሊ, Elva Etienne via Getty Images
ፍርሒ ዝውረስ ድዩ ወይስ ዝምሃር?
ኵሉ ሰብ ዝፈርሖ ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ዋላ'ኳ ገለ ፍርሕታት ኣዝዮም ልሙዳት እንተዀኑ፡ መብዛሕትኦም ክኢላታት ግን ፍርሒ ምሳና ዝውለድ ባህርይ እዩ ዝብል እምነት የብሎምን።
ፍርሒ፡ ንኣሽቱ ዕሸላት ክስምዖም ዘይክእል ስምዒት ምዃኑ ሎቤ ትገልጽ።
"ሓደ ነገር ዘስግእ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ ጥራይ ኢኻ ክትፈርሖ ትጅምር፤ ነዚ ንምግባር ድማ ብዛዕባ ከባቢኻ ገለ ኣፍልጦ ክህልወካ ይግባእ፡" ትብል።
ስለዚ ክንውለድ እንከለና ንሳሬት ወይ ተመን ከም እንፈርሕ ኴንና እንተ ዘይተፈጢርና፡ ስለምንታይ እዮም ሰባት ብፍላይ ነዞም ነገራት እዚኦም ፎብያ ዘማዕብሉ?

ምንጪ ስእሊ, dlewis33 via Getty Images
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና (ኦስትርያ) ፕሮፌሰር ስነ-ልቦናዊ ምዕባለ ስቴፋኒ ሆል፡ ዕሸላት ምስ ዕምባባታትን ዓሳን ክነጻጸር እንከሎ፡ ተመን ወይ ሳሬት ምስ ዝርእዩ ኣካላቶም ዝያዳ ግብረ-መልሲ ከም ዘርእን ከም ዝሰናበዱን ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጻቶ።
ሰባት ክፈርሑ እንከለዉ ኣካላቶም ከም ዝእፈፍን (goosebumps) ኣብ ቆርበቶም ደቀቕቲ ዕንፍሩር ከም ዘውጽኡን መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ እቶም ህጻናት ተመን ወይ ሳሬት ምስ ርኣዩ ኣብ ቆርበቶም ለውጥታት ምኽሳቱ፡ ነቲ ነገር ከም ዝፈርሕዎ ዘረድእ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ሰባት ኣብ ኣካላቶም "ምቅላስ ወይ ምህዳም" (fight or flight) ዝብል ግብረ-መልሲ ንምሃብ፡ ከም ምውሳኽ ህርመት ልቢ፡ ጸቕጢ ደምን ፍጥነት ምስትንፋስን ዝኣመሰሉ ለውጥታት የጋጥሞም።
ኣካላትና ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ንምስዓር ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ዝኸውን ኣካላዊ ምቅይያራት 'ኖራድረነርጂክ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ሆል ፍርሒ ምሳና ከም ዘይውለድ እያ እትኣምን። ኣብ ከባቢና ግን ካብ ካልኦት ብዝቐልጠፈ ከነለልዮም እንኽእል ነገራት ከም ዘለዉን እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ምንቅስቓሶም ክኸውን ከም ዝኽእልን ትዛረብ።
"ኣብ ዓለም ክንፈርሖም ከም ዘለና ክንመሃሮም ዝተዳለና ነገራት ኣለዉ" ብምባል ድማ ብንኣሽቱና እንከለና ዘይንፈርሖም ዝነበርና፡ ምስ ዓበና ግን እንፈርሖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘለዉ ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Maskot via Getty Images
ሎቤ፡ ንሳሬትን ተመንን ካብ ካልኦት እንስሳታት ንላዕሊ ምፍራሕ ክንመሃር ከም እንኽእል ትገልጽ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ካብ ካልኦት "ፍልይ ዝበሉ" ብምዃኖም እዩ።
"ብዛዕባ ተመን ሕሰብ - ኣብ ዓለም ከም ተመን ዝመስል ካልእ ፍጥረት የሎን፡" ትብል።
"ህጻናት ንእንስሳታት ከመይ ገይሮም ከም ዘለልዩ ሕሰብ፤ መብዛሕትኡ ግዜ እንስሳ ክበሃል ከሎ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎም ፍጥረታት እዮም ዝስእሉ፤ ሳሬት ፍልይ ዝበለት እያ፡ ተመን ድማ እግሪ የብሉን።"
ገሊኦም ክኢላታት፡ እዚ ንገለ ነገራት ናይ ምፍራሕ ዝንባለ፡ ውጽኢት ፍልቀት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
ዝሲዶ፡ "ቀዳሞት ደቂ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ዘይግመት ሃዋህው ይነብሩ ነይሮም፤ ኵሉ ፍርሕን ፎብያን ኣብቲ ግዜ እቲ ርትዓዊ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጠቓምን ርትዓውን ምዃኑ ኣቋሪጹ እዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Catherine Falls Commercial via Getty Images
ገለ ፍርሒ ንምምሃር ዝህሉ ተፈጥሮኣዊ ዝንባለ ጥራይ፡ ክቱር ፍርሒ ወይ ፎብያ ንኸነማዕብል እኹል ኣይኰነን። ምስ ሓደ እንስሳ ወይ ኣቕሓ ቀጥታዊ ኣሉታዊ ተመኵሮ እንተ ሃልዩናን ብፍላይ ድማ ድሮ ንኽንፈርሖ ተፈጥሮኣዊ ዝንባለ እንተ ኣልዩናን፡ ንኽንፈርሖ ክንድረኽ ንኽእል ኢና ትብል ሎቤ።
ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት ንሓደ ነገር ክፈርሑ ምስ እንርኢ፡ ንሕና'ውን ክንፈርሖ ንኽእል ኢና።
"ቅድሚ ሕጂ እንተ ሰንቢድካ ወይ ተነኺስካ ትፈልጥ እንተ ኴንካ፡ ወይ ኣደኻ 'እዚ ሕማቕ ነገር እዩ' እንተ ኢላትካ፡ ነብስኻ ነቲ ነገር ምፍራሕ ክመሃር ይኽእል እዩ፡" ትብል ሎቤ።
በዚ ምኽንያት ድማ ፎብያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ሆል የረድእ።
ጽልዋ ፊልምታትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን
ሎቤ እተቕርቦ ካልእ ሓሳብ፡ ንሓደ ነገር ንኽንፈርሖ ዝገብሩና ረቛሒታት ምስ ባህልናን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትናን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እዩ።
"ኣብ ፊልምታት ወይ መጻሕፍቲ፡ ተመን ወይ ሳሬት ንሰብ ከድሕኑ ኣበይ ተራእዮም ይፈልጡ? እዚ ኣብ ኣእምሮና ነዞም ነገራት ንኽንፈርሖም ዓቢ ድርኺት እዩ ዝፈጥር፡" ትብል።
ብዛዕባ ክቱር ፍርሒ ወይ ፎብያ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ 'ባዮ-ፎብያ' ወይ ተፈጥሮኣዊ ክቱር ፍርሒ ዝበሃል ስምዒት እውን ይለዓል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Flashpop via Getty Images
ዝሲዶ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢ (ከተማ ወይ ገጠር) ምስቲ ዘለዎ ፍርሒ እንስሳታት ምትእስሳር እንተ'ልዩ ኣጽኒዑ እዩ።
ሓደ ኣብ ከተማ ዝነብር ሰብ፡ ምስቶም ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዳ ፎብያ ወይ ክቱር ፍርሒ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።
"ኣብ ተፈጥሮ ዝያዳ ግዜ ዘሕልፉን ምስ ተፈጥሮ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎምን ሰባት፡ ንኸም ሳሬትን ተመንን ዝኣመሰሉ ፍጥረታት ዝወሓደ ፍርሒ ዘለዎም ይመስሉ፡" ይብል።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 80% ሰባት ኣብ ከተማታት ስለ ዝነብሩ፡ ምስ እንስሳታት ዝተኣሳሰር ፍርሒ ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑ እዚ መጽናዕቲ እዚ ምኽንያታዊ ይገብሮ።
ፍርሒ ንምስዓር ዝሕግዙ መንገድታት
ዝበዝሑ ተመራመርቲ ኣብ ክልተ ነጥብታት ይሰማምዑ፤ ፍርሕና ንምውጋድ ክንመሃር ከም እንኽእልን እዚ ድማ ንነብስና ምስቲ ዘፍርሓና ነገር ብምልማድ ክመጽእ ከም ዝኽእልን እዮም።
"ኣብ ዝተወሰኑ ኵነታት ቍሩብ ዘይጥዕና ይስምዓካ እንተ ኰይኑ፡ ንነብስኻ ናብቲ ነገር ምቅላዕ ጽቡቕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል ሆል።
ሎቤ ድማ ካብ ንእሽቶ ክንጅምር ትመክር፤ ንኣብነት፡ ኣሳእል ናይቲ እትፈርሖ ነገር ብምርኣይን ብዛዕባኡ እወታዊ ሓቅታት ብምፍላጥን፡ በብቝሩብ ነቲ ፍርሒ ክንስዕሮ ከም እንኽእል ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Justin Paget via Getty Images
እቲ ፎብያ ወይ ክቱር ፍርሒ ዓቐኑ ዝሓለፈን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ እንተዀይኑ ግን፡ ሞያዊ ሓገዝ ምድላይ ዝሓሸ መፍትሒ እዩ።
ዝሲዶ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ንነብስና ምስቲ ዘፍርሓና ነገር ምልማድ፡ ነቲ ፍርሒ ንምስዓር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ንኸይጋደድ እውን ይሕግዝ እዩ።
"ካብ ውልቃዊ ተመኵሮይ ተበጊሰ፡ ብንእሽቱና ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ዘፍርሑና ነገራት ከላልዩና እንተ ጀሚሮም፡ ብዛዕባኦም ክቱር ፍርሒ ከይነማዕብል ክሕግዘና ይኽእል እዩ፡" ይብል።
ሎቤ ብወገና፡ ፍርሒ ከም ዝከላኸለልናን ጽቡቕ ባህርይ ምዃኑን፡ ንሕና ድማ ነቲ ፎብያ ክንቈጻጸሮ ከም ዘለና ትምዕድ።
"ንሓደ ነገር ክትፈርሕ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ዕጫ የሎን፤ ንሓደ ነገር ትፈርሕ እንተዄንካን ካብኡ ክትገላገል እንተ ደሊኻን ግን መፍትሒታት ኣሎ፡" ትብል።
ንሳሬት ዘለና ፍርሒ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ይዅን፡ ብትምህርቲ ዝመጽአ፡ ካብ ፊልምታት ዝተረኽበ ወይ ድማ ካብ ውልቃዊ ተመኵሮና፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ክሳብ መወዳእታ ምንባብና ጥራይ ንፍርሕና ንምስዓር ድልውነት ከም ዘለና ዘርኢ እዩ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



