ኣካታዒ ውሳነ ፊፋ ኣብ መቕጻዕቲ ተጻዋታይ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኸ እንታይ ኣረጋጊጹ?

ፕረዚደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ፎላሪን ባሎጉን ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ ሓደ ጸወታ መቕጻዕቲ ክምርምሮ ንፊፋ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ።

ባሎጉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዙር ኣመሪካ ምስ ቦስንያን ሄርዘጎቪናን ኣብ ትገጥመሉ ዝነበረት እዋን ብዝፈጸሞ በደል ብቐጥታ ብቐይሕ ካርድ ዝወጽአ ኰይኑ፡ ጋንታኡ ኣንጻር በልጁም ኣብ እትገብሮ ግጥም ከብኵር ምዃኑ ተፈሊጡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ፊፋ ነቲ ቀጥታዊ ናይ ሓደ ጸወታ መቕጻዕቲ ን12 ኣዋርሕ ከም ዝናወሕ ዝገብር ዘይትጽቢታዊ ውሳነ ብምሕላፉ፡ ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ፡ ካብ በልጁም፡ ካብ ኣሰልጣኒ ዓዲ እንግሊዝ ቶማስ ቱከልን ካልኦትን ሰፊሕ ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።

እዚ ውሳነ ፊፋ፡ ነቲ ድሮ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ዘሎ ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ባሎጉን፡ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ኣብቲ ኣብ ስያትል ኣብ ዝካየድ ግጥም ንኽስለፍ መንገዲ ጸሪግሉ ኣሎ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ በልጁም በቲ ስጕምቲ "ከም ዝተገረመ" ብምግላጽ፡ እቲ ዘቕረቦ ይግባይ ውዱቕ ድሕሪ ምዃኑ፡ ባሎጉን ኣብቲ ጸወታ ንኽሳተፍ ብሕጊ ከም ዝቃወሞ ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ፊፋ "ቅኑዕ ውሳነ ወሲዱ" ክብል ከሎ፡ እቲ መቕጻዕቲ ተተግቢሩ እንተ ዝነብር ግን ኣብቲ ውድድር "ዓቢ በሰላ" ምሓደገ ነይሩ ክብል ገሊጹ።

ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝተፈጸመ "በደል (ፋውል) እዩ ኢሉ ስለ ዘይኣመነ" ፊፋ ነቲ ውሳነ ክምርምሮ ከም ዝሓተተ ገሊጹ።

ምስ ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ከም ዝተዘራረበ ዘረጋገጸ ትራምፕ፡ "ኵሉ" ዝገበሮ ነቲ ውሳነ ክምርምርዎ ምሕታት ጥራይ ከም ዝዀነን ነቲ ስዊዘርላንዳዊ መራሒ መቕጻዕቲ ባሎጉን ንኽሰርዞ ከም ዘይኣዘዞን ገሊጹ።

ትራምፕ ወሲኹ፡ "እቲ መቕጻዕቲ ዓቢ በሰላ ምሓደገ ነይሩ ኢለ እየ ዝሓስብ። እንታይ ከም ዝገብሩ ክነግሮም ኣይክእልን እየ። እቲ ውሳነ ንሳቶም ዝወሰንዎ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፡ እቲ ኮምሽን እዩ ወሲንዎ ኢለ እየ ዝኣምን። ቅኑዕ ውሳነ ድማ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ (ዩኤፋ)፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ንቕንዕናን ክብረትን ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቖ ገሊጹ።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ እቲ ዳኛ ራፋኤል ክላውስ ንባሎጉን ካብ ሜዳ ንምስጓግ ዘሕለፎ ውሳነ "ዘደንጹ" ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ነቲ ብራዚላዊ ዳኛ "ቍሩብ ዘጠራጥር" ክብል ጸዊዕዎ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ብወገኑ ንቕንዕና ክላውስ ብምክልኻል፡ "ኣብ ናይ ስራሕ ታሪኹ ዘሕስሮ ወይ ንጥርጣረ ባይታ ዝህብ ዝዀነ ነገር የሎን። ንሱ ኣብነታዊ ብዓል ሞያ እዩ፡" ክብል መሊሱ።

ፕረዚደንት ፊፋ ኢንፋንቲኖ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ካብ ትራምፕ ተለፎን ምስ ተቐበለ፡ ምስ ናይ ፊፋ ናጻ ፍርዳውያን ኣካላት ዝተኣሳሰር ቀጻሊ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዘሎን እቲ ጉዳይ ድማ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ክኢላታት ውሳነ ከም ዝህብሉን ንፕረዚደንት ኣመሪካ ከም ዝነገሮ ገሊጹ።

ባለጉን እናጸንበለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮሚቴ ይግባይ ፊፋ፡ በልጁም ኣብቲ ፋልማይ ውሳነ ኢድ ስለ ዘይነበራ ግን ከኣ ቀጺላ ምስ ኣመሪካ ትገጥም ብምዃና፡ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሕጋዊ ተገዳስነት ዘለዎ ኣካል ኣይኰነትን ብምባል ወሲኑ።

"ፈደረሽን በልጁም ኣብቲ መስርሕ ሕጋዊ ተሳታፊ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ውሳነ ይግባይ ናይ ምባል መሰል የብሉን፤ በዚ ምኽንያት ድማ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡" ክብል ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ማለት ድማ ነቲ ውሳነ ተቓዊሙ ጥርዓን ዘቕርብ ካልእ ኣካል ስለ ዘየሎ፡ ባሎጉን ምስ በልጁም ኣብ ዝግበር ጸወታ ንኽሳተፍ ኵሉ መንገዲ ተኸፊትሉ ኣሎ ማለት እዩ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ በልጁም፡ ንምንታይ እቲ ኮሚቴ ይግባይ ፊፋ ነቲ ጥርዓን ከም ዝነጸጎ፡ "ዛጊት ምንም ሕጋዊ ምኽንያት ከም ዘይተዋህቦ" ብምግላጽ፡ እቲ ተጻዋታይ መቕጻዕቱ ዝተላዕለሉ ምኽንያት ካብ ዳኛን ካልኦት ኣካላትን ሓበሬታ ይጽበ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ማሕበር ወሲኹ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ "ግህሰት" ሕግታትን ደንብታትን ፊፋ እዩ ኢሉ።

ቢቢሲ ስፖርት ብዛዕባ ርእይቶ ትራምፕን ኣብ ልዕሊ ክላውስ ዘለዎ ኣመለኻኽታን ንፊፋ ምስ ሓተቶ፡ ዝውስኾ "ዝዀነ ተወሳኺ ነገር የሎን" ክብል ጥራይ መሊሱ።

ኢንፋንቲኖ ጸኒሑ ናይ ፊፋ ፍርዳውያን ኣካላት "ናጻ" ምዃኖምን ውሳነታቶም ድማ "ኵሉ ግዜ ክኽበር ከም ዘለዎ፡" ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ "ኮሚቴ ስነምግባር ፊፋ ዝህቡዎ ውሳነታት አንብቦም እየ። ሓድሓደ ግዜ የገርሙኒ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ይሰማማዕሎም፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣይሰማማዕን። ይዅን'ምበር፡ ኣነ ኵሉ ሳዕ ዝገብሮ እቶም ውሳነ ዘሕለፉ ኣካላት ዘለዎም ናጽነት ምኽባር እዩ። ንሕና ብውልቅናና ነቲ ውሳነ ፈተናዮ ኣይፈተናዮ ዋጋ የብሉን፡" ኢሉ።

"ነቶም ናጻ ትካላትን ንልዕልና ሕግን ምኽባር፡ ንቕንዕና ውድድራትናን ተኣማንነት ፊፋን ኵሉ ግዜ ዝሕሉ ዋና መሰረት እዩ።"

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ በልጁም ዘለዎ ስግኣት ክገልጽ ከሎ፡ "ናይዚ ጸወታ ስፖርታዊ ውጽኢት ብዘየገድስ፡ በዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ዓሚቝ ስግኣት ኣለና፤ ኣብ ዝመጽእ ሰዓታት፡ መዓልታትን ኣዋርሕን ድማ ነቶም መሰረታውያን መትከላት ስነምግባር፡ ፍትሓዊ ውድድርን ንጠቕላላ ረብሓ ኩዕሶ እግሪ ብምልኡን ንምክልኻል ቃልስና ክንቅጽል ኢና፡" ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ቶማስ ቱከል ብወገኑ፡ እዚ ውሳነ'ዚ ሓደገኛ ልሙድ ኣሰራርሓ ከይተክል ስግኣቱ ገሊጹ።

ቱከል፡ ኣብቲ ጋንታኡ ንሜክሲኮ 3 ብ 2 ብዘገርም ውጽኢት ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ፡ ተኸላኻላይ ጋንታኡ ጃረል ኳንሳ ብቐይሕ ካርታ ተሰጒጉ ነይሩ።

"እቲ ደረት ኣበይ ክሕንጸጽ ከም ዘለዎ እዩ እቲ ኣነ ዝሓቶ ዘለኹ፡" ዝበለ ቱከል፡ "ነዚ ዝኸውን መልሲ ግን የብለይን፡" ኢሉ።

"ቢጫ ካርድ ዘይኰነ ነገር ቢጫ ካርድ ተዋሂቡ ኢልና ይግባይ ክንሓትት ኢና? ቀይሕ ካርታ ኣይኰነን ኢልና ንሓስብዶ ወይስ መን እዩ ከምኡ ዝሓስብ? እዚ ነገር'ዚ ኣበይ ይጅምር ኣበይከ የብቅዕ? እዚ እዩ ሕቶይ፤ መልሲ ግን የብለይን፡" ኢሉ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ፡ ኣብ ሓደ ውድድር ዝተዋህበ ውሳነ ንምስራዝ ጣልቃ ምእታው "ቀይሕ መስመር ከም ምስጋር፡" እዩ ኢሉዎ።

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዋህቡ 189 ቀይሕ ካርታታት፡ ሓደ ተጻዋታይ መቕጻዕቱ ክስረዘሉ ዝኸኣለ ሓደ ግዜ ጥራይ እዩ።

ንሱ ድማ እቲ ኣብ 1962 ብራዚላዊ ጋሩንቻ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ዝዀነ ቅድሚ እቲ ቀጥታዊ መቕጻዕቲ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እዩ ነይሩ፤ እቲ መቕጻዕቲ ከይትግበር ምኽልካሉ ድማ ብፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ዝተጸልወ ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር።

ፊፋ ንባሎጉን መቕጻዕቱ ከልዕለሉ ከሎ፡ ውሳነታት ብኸፊል ናይ ምስራዝ ስልጣን ንዝህብ ዓንቀጽ 27 ከም መወከሲ ጠቒሱዎ ኣሎ። እንተዀነ፡ ፊፋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባሎጉን ዘሕለፎ ውሳነ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበሉን።