ሓለፍቲ ፀጥታ ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ተዛትዮም

ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ፡ ኣይተ ተኪኡን መተኩን ምክትል ዋና ኣዛዚ ብርጋዴር ጀነራል ኣዳምነው መኮንን

ምንጪ ስእሊ, Tig Sec & Admn/FB

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ፡ ኣይተ ተኪኡን መተኩን ምክትል ዋና ኣዛዚ ብርጋዴር ጀነራል ኣዳምነው መኮንን
Published

ገለ ሓለፍቲ ትግራይ ምስ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሰሜን እዚ ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሓበራዊ ጸጥታ እቲ ክልል ከም ዝዘተዩ ቢሮ ፅጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ኣብ ፌስ ቡክ ገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ናይ ኩለን ዞባታት ትግራይን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰራዊትን ዝተረኸቡ ኾይኖም: ቅድም ክብል ሓቢሮም ዝተለምዎ ፀጥታዊ ምትሕብባር ብዝምልከት ፀብፃብ ኣፈጻጽማ ተገምጊሙ ተባሂሉ።

ምክትል ዋና ኣዛዚ ክፍሊ ኦፕሬሽን ሰሜን እዚ እቲ ሰራዊት፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣዳምነው መኮንን: ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰላምን ድሕነትን ዝተሓለወ ምኻኑ ናይቲ ሰራዊት ስራሕ ዘፍኩስን ክቕጽል ዘለዎን ምዃኑ ንኢዱ።

እቲ ሓበራዊ ርክብ ቀፃልነት ክህልዎ ዝግባእ ምዃኑ ዝተዛረበ እቲ ምክትል ዋና ኣዛዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊትን መንግስታዊ መዋቕር እቲ ክልልን ዘሎ ርክብ ዝነኣድ ምዃኑ'ውን ከምዝተዛረበ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ተሳተፍቲ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Tig Sec & Admn/FB

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ፡ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ብወገኑ፡ "ነቲ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምሕላው ብሓባር ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

6ይ ክልላዊ ዙርያ መረጻ ንምክያድ ምድላዋት ኩሉ ከምዝተዛዛሙ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ ዝኾነ ነቲ መረጻ ከዕንቅፍ ዝኽእል ኣካል እደንተሃልዩ ንምምካት እኹል ምድላው ከምዝተገብረ ወሲኹ ተዛሪቡ።

"ነዚ ድማ ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎንና ጠጠው ኢሉ ይገብሮ ንዘሎ ድጋፍ ክነመስግን ንፎቱ" ኢሉ።