ድሕሪ ሓያል ነታጒ ዝዓነወት ከተማ ሊባኖስ ብስእሊ

በይሩት ድሕሪ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ
መግለጺ ስእሊ, በይሩት ድሕሪ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ
Published

ርእሰ-ከተማ ሊባኖለስ በይሩት፡ ድሕሪ እቲ ዝጋጠመ ሓያል ነታጒ፡ ኣብ ስንደባደ እያ ትርከብ።

በቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ እንከው ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ቆሲሎም ኣለው። እታ ከተማ'ውን ዳርጋ ዓንያ ክበሃል ይከኣል እዩ።

እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ኣሽሓት ኪ.ሜ ርሒቁ ክሳብ ሳይፕረስ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ነታጒ ብሰንቲ እቲ ንልዕሊ 6 ዓመት ኣብ መኽዘን ተቐሚጡ ዝነበረ ኣሞንየም ናይትረት (ammonium nitrate) ከምዝጋጠመ እዩ ዝገልጹ ዘለው።

ኣብ ከተማ በይሩት ሓደ ሰብኣይ ንዝተጎድኣት ጓል ተሰኪሙ ናብ ካልእ ቦታ ክወስዳ እንከሎ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ በይሩት ሓደ ሰብኣይ ንዝተጎድኣት ጓል ተሰኪሙ ናብ ካልእ ቦታ እናወሰዳ
ዝዓመነወ ገዛውትን ንብረትን
መግለጺ ስእሊ, ዝዓመነወ ገዛውትን ንብረትን
በቲ ነታጒ ዝቆሰለ ሰብ
መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ዝቆሰለ ሰብ
በቲ ነታጒ ሰንቢዳ ኣብ ጎደና ትበኪ ዘሎ ጓል-ኣንስተይቲ
መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ሰንቢዳ ኣብ ጎደና ትበኪ ዘሎ ጓል-ኣንስተይቲ
በቲ ነታጒ ዝዓነወ ሆተል
መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ዝዓነወ ሆተል
ካብቲ ቦታ ነታጒ ሓያል ትኪ ይወጽእ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ቦታ ነታጒ ሓያል ትኪ ይወጽእ ኣሎ

All photos subject to copyright.