ሽማግለ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ዝነበሩ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር
Published

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ መበል 93 ዕድሚኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም

ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ንኽትዕጾ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ውሳኔ ዝተቓወሙ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ብቐዳም 3 መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፉ ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግሰቲ ኤርትራ፡ ብ20 ጥቕምቲ 2017፡ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ንኽትዕጾ ትእዛዝ ምስተዋህበ፡ ሓጂ ሙሳ ነቲ መንግስቲ ዘመሓላለፎ መምርሒ ብምቅዋም ምስ ተማሃሮን ወለድን ኣብ ዝረዳድኡሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም።

ድሕሪ ማእሰርቶም ብዝሰዓበ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ተማሃሮን ወለድን ከምእተኣስሩ ይዝከር። ንሃለዋቶም ብዝምልከት ከኣ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ከምዘየሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።

ኣብ መፋርቕ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት፡ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ናብ መንግስቲ ክትሰጋገር ዘዋሪ መልእኽቲ ከምዝበጽሓ፡ ሽማግለ ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ፡ 'እዛ ቤት ትምህርቲ ብገንዘብ ህዝቢ ስለዝተሰርሐት ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ከኣ ስለዝኾነት መንግስቲ ኣይወረሳን እዩ' ኢሎም ከምዝተቓወሙን ምስ ተማሃሮን ወለድን ብኣኼባ ከምእተዘራረቡን ምጽብጻብና ይዝከር።

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣባል ምንቕስቓስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኖም ከምዝተቓለሱ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣባል ኮሚሽን ረፈረንዱምን ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራን ነበር ሓዎም፡ ገዲም ተጋዳላይ ጣሃ መሓመድ ኑር እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ይዝከር።