ኤርትራ፡ ንምስሳን መሬትን ኣከባብን ዝውዕል ናይ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

ብኣድጊ ማይ ትጓርት ጓለንስተይቲ ብደንደስ ሓጽቢ እናሓለፈት

ምንጪ ስእሊ, MOI

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ዓለማዊ ትካል ፋይናንስ ኣከባቢ (GEF)፡ ኤርትራ ኣንጻር ብከላ መሬት፡ ዕቀባ ህይወታዊ ብዙሕነትን ምክልኻል ለውጢ ኣየርን ንእተካይዶ ዘላ ጻዕርታት ንምድጋፍ፡ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐላ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ "ዘላቒ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን ህይወት ሕብረተሰብ ንምምሕያሽን" ዝዓለመ ሓድሽ ተበግሶ፡ ብምኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ምስ ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ዝፍጸም እዩ።

እዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮጀክት፡ ምስ ምርቃቕ መሬት፡ ለውጢ ኵነታት ኣየር፡ ምጕዳል ፍርያምነት ሓመድን ዋሕዲ ውሕስነት መግብን ንዝተኣሳሰሩ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ተበግሶ፡ ስነ-ህይወታዊ ኣከባቢ ብምሕዳስ፡ ምስ ለውጢ ኣየር ዝሳነ ሕርሻ ብምስፋሕን ስርዓተ-ምሕደራ ብምሕያልን ኵሉ ዘጠቓልል ኣገባብ ዝኽተል ኰይኑ፡ ዓቕሚ ሓረስቶት ንምሕያል ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ወሲኹ የረድእ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ባይታ 6,294 ሄክታር ዝረቐቐ መሬት ክሓዊ ክገብር ከሎ፡ ኣብ 11,851 ሄክታር ሕርሻዊ፡ መጓሰን መሬት ኣግራብን ድማ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ መሬት ከተግብር ምዃኑ ይሕብር። ብደረጃ ሕብረተሰብ ከኣ ልዕሊ 25,000 ሰባት (ፍርቀን ደቀንስትዮ) ካብዚ ፕሮጀክት ተረባሒ ክኸውን እዩ።

ቀዋሚት ወኪል ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ፓ ላሚን በያይ፡ ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እዚ ተበግሶ'ዚ ንተፈጥሮኣዊ ሃብትን ገጠራት ኤርትራን ግዜኡ ዝሓለወ ጽቡቕ ስትራተጅያዊ ወፍሪ እዩ።

ስነ-ህይወታዊ ኣከባቢ ብምሕዳስን ውሕስነት መግቢ ብምርግጋጽን፡ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ኣከባብያዊ ውሕስነትን ኵሉ ዘጠቓልል ልምዓትን ክረጋገጽ ክሕግዝ እዩ፡" ኢሉ።

ምኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ ብምትሕብባር መንግስቲ ህንዲ ኣብ ዝተዳለወ "ሳልሳይ ዋዕላ ድምጺ ዓለምለኻዊ ደቡብ" ብ17 ነሓሰ 2024 ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራ ንዓለማዊ ጋዝ፡ ልቀትን ብከላን እተበርክቶኣ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ግን ሓንቲ ካብተን ዝያዳ ዝተሃሰያ ሃገራት ምዃና ኣረዲኡ ነይሩ።

እቲ ምኒስተር፡ ዘይተደልየ ምቅይያር ዝናብ፡ ተደጋጋሚ ደርቂ፡ ምጕዳል ፍርያምነት ሓመድን ዋሕዲ ማይን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ህይወት ሕብረተሰብን ቍጠባን ብኸቢድ ከም ዝጸለዎ የብርህ።

ቀጺሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብድሆ እዚ ንምፍታሕ "ወለዶታት ዝሰግር ሃገራዊ መደብ" ሓንጺጹ ይሰርሕ ከም ዘሎን እዚ መደብ እዚ ድማ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ፍታሓት ማለት ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን፡ ዳግመ-ምስሳን ኣግራብን ምሕያል ጸጋታት ማይን ዘተኰረ ምዃኑን ኣጕሊሑ።

እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ድማ ምስዚ መንግስቲ ሓንጺጽዎ ዘሎ ሃገራዊ ፖሊስን ራእይን ዝሳነ ብምዃኑ ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።

ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ግጭታትን ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነትን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዓቢ ምጕዳል ኣግራብን ምርቃቕ መሬትን ከም ዘጋጠማ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሓደ ክፍለ-ዘመን ኣስታት 30% ዝነበረ ሸፈነ ኣግራብ፡ ብሰንኪ ኵናትን ዘይተመጣጣነ ኣጠቓቕማ ዕንጸይትን ናብ ትሕቲ 10% ከም ዝወረደ ጸብጻባት ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን ምኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራን ይገልጹ።

እዚ ብከላ መሬት'ዚ፡ ንፍርያምነት ሕርሻን ውሕስነት መግብን ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ስለ ዝጸንሐ፡ እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ነቶም ዘለዉ ብድሆታት ንምፍታሕ እዋናዊ ስጕምቲ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።

እንስሳታት ዘገዳም ቆጽሊ እናጣጠማ ይርኣያ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ነዚ ከባብያዊ ጸገም'ዚ ንምምካት፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት 138 ዝነበረ ብዝሒ ዲጋታትን ሓጽብታትን ኣብዚ ግዜ'ዚ ልዕሊ 850 በጺሑ ከም ዘሎ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጽ።

ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ትካል ፋይናንስ ኣከባብን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ (ከም ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓን ሮራ ሓባብን) ተመሳሰልቲ መደባት ተኻይዶም ምንባሮም ይፍለጥ።

ካብዚ ተመኵሮ'ዚ ብምብጋስ፡ ሃገራዊ ናይ ፍልጠት ስርዓት ንምሕያልን ከባቢያዊ ለውጥታት ንምክትታልን መርበብ ሓበሬታ ክዳሎ ምዃኑ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ብምክፍፋል ጸጋታት ምስ መሻርኽቲ ብዝተገብረ ዘተ ዝጸደቐ ፕሮጀክት፡ ካብ መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን መሻርኽቲ ልምዓትን ልዕሊ 30 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ተወሳኺ ፋይናንስ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ነቲ ምስ ለውጢ ኣየር ዝሳነ ቍጠባዊ ተጻዋርነት ንምሕያል ክሕግዝ እዩ።

እዚ ወፍሪ ምስቶም ንውሕስነት መግቢ፡ ማዕርነት ጾታ፡ ምክልኻል ለውጢ ኵነታት ኣየርን ህይወት ኣብ መሬትን ዝምልከቱ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዝሳነ እዩ።