ወጥሪ ካሪብያን፡ ነፈርትን ድሮናትን ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ኵባ ክጸናተዋ ተራእየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ እቲ ኮሙኒስታዊ መሪሕነት እታ ደሴት እትገብሮ ዘላ ጸቕጢ ብምቕጻል፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ኵባ ነፈርትን ድሮናትን ስለያ ብምብራር መልእኽቲ ተሕልፍ ኣላ።
ብሪጣንያዊ ክኢላ ድሮን ዶክተር ስቲቭ ራይት ከም ዝገለጾ፡ "ኰነ ኢልካ ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል እዩ፤" ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኵባ ጸቕጢ ብምቕጻል፡ "ኣብ ሰማያት ኣዕይንቲ ከም ዘለዋ ንጹር መልእኽቲ ንምሕላፍ፡" ትገብሮ ከም ዘላ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ካብ Flightradar24 ዝተባህለ ናይ በረራ ምክትታል መርበብ ሓበሬታ ዝረኸቦ መረዳእታ ከም ዘነጸሮ፡ ካብ 11 ግንቦት ጀሚሩ ብውሕዱ ሓሙሽተ ናይ ኣመሪካ ሓይሊ ባሕሪ ፒ-8ኤ ፖሰይዶን (P-8A Poseidon) ናይ ስለያ ነፈርትን ሰለስተ ኤምኪው-4ሲ ትራይተን (MQ-4C Triton) ናይ ስለያ ድሮናትን ኣብ ውሽጢ ካሪብያን ኣብ ጥቓ ኵባ ክንቀሳቐሳ ጸኒሐን ኣለዋ። ገሊአን ነፈርቲ ካብታ ደሴት ክሳብ 80 ኪሎሜተር ዝቐርብ ርሕቀት በሪረን እየን።
ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኵሉ ግዜ ቦታአን ኣይስሕታን፣ እንተዀነ ንገሊኡ ክፋል ናይቲ በረራ ጥራይ መለለዪ ቦታአን ስለ ዘካፍላ፡ እቲ ናይ በረራ ምክትታል ዳታ ብዛዕባቲ ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ኵባ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ምሉእ ስእሊ ክህብ ኣይክእልን እዩ።
እዚ ስርሒታት ነፈርቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ካሪብያን ሃገር ናይ ነዳዲ ዕጽዋ ካብ እተንብር ጀሚሩ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኵባን ዘሎ ወጥሪ ብርኡይ ድሕሪ ምውሳኹ እዩ።
ሃቫና ናብ ውሽጢ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ ድሮናት ከም ዝዓደገት ብማዕከን ዜና ኣክሲዮስ ዝተጠቐሰ ኰይኑ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኵባ ግን ሃገሩ "ኣይትፈርሕን እያ፣ ውግእ'ውን ኣይትደልን፡" ብምባል ምላሽ ሂቡ። ንዋሽንግተን ድማ ወተሃደራዊ ጣልቃ ንምግባር "ናይ ሓሶት ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል ከሲሱ።
ነዞም ክስታት እዚኦም ስዒቡ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብረቡዕ ምስ ህዝቢ ኵባ "ሓድሽ ዝምድና" ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ሩቢዮ፡ ኵባ ካብ ኣመሪካ ናጽነታ ዝረኸበትሉ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ብቛንቋ ስጳኛ ንህዝቢ እታ ደሴት ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ኣብታ ደሴት ዘሎ "ክትግምቶ ዘጸግም መከራ" ተሓታቲ እቲ ኮሙኒስታዊ መሪሕነት እምበር፡ እቲ ኣመሪካ ዝገበረቶ ዕጽዋ ነዳዲ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ክኢላታት ንቢቢሲ ቨሪፋይ ከም ዝገለጹዎ፡ ናይዞም በረራታት ስለያ ግሁድ ባህሪ ዘነጽሮ፡ ኣመሪካ ነቲ ዕጽዋ ከተተግብርን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኵባ ጸቕጢ ክትፈጥርን፣ ከምኡ'ውን ከም ቬነዙወላ ዝኣመሰላ መሓዙታ ናብታ ደሴት ናይ ጸዓት ጽዕነታት ንምልኣኽ ዝገብረኦ ፈተነታት ንምዕጋት ትደሊ ከም ዘላ እዩ።
በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ ናይ ነዳዲ ቅልውላው፡ ናብ ዓበይቲ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ መሪሑን ኣብ ኵባ ድማ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉን ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ነቲ ኮሙኒስታዊ ስርዓት "ውዕል ክገብር" ብርቱዕ ጸቕጢ ይገብረሉ ኣሎ፤ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቬነዝወላ ዝገበሮ ኢዱ ከእቱ ከም ዝኽእል'ውን የፈራርሕ ኣሎ።
እቲ ናይ በረራ ምክትታል ዳታ እንታይ የርኢ?
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ብመሰረት ዳታ Flightradar24፡ ሓንቲ ነፋሪት ብ11 ግንቦት ክሳብ ደቡባዊ ኵባ 80 ኪሎሜተር ዝቐርብ ርሕቀት ዝበጽሓትሉ ሓዊሱ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተገብሩ ሓያሎ በረራታት ናይ ፒ-8 ፖሰይዶን ናይ ስለያ ነፈርቲ ተኸታቲሉ ኣሎ።
እታ ፒ-8 ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ መደበር ቅድሚ ምምላሳ፡ ናብ ሰሜን ርእሰ-ከተማ ኵባ ሃቫና ክትበርር ከላ ተራእያ፣ በታ መዓልቲ ምንቅስቓሳ'ውን ቀጺላ።
ብ15 ግንቦት፡ ክልተ ናይ ኣመሪካ ኤምኪው-4ሲ ትራይተን ናይ ስለያ ድሮናት ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ኵባ ተንቀሳቒሰን። እቲ ምክትታል ከም ዘርኣዮ፡ ቅድሚ ሕጂ ብፖሰይዶን ተመሳሳሊ በረራ ዝተገብረሉ መስመር ተኸቲለን ተጓዒዘን።
ናይ ቀደም ናይ ኣመሪካ ማሪን ኮር ኮሎነልን ንቢቢሲ ቨሪፋይ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ተደጋጋሚ በረራታት ስለያ፡ "ብቐዳማይ ደረጃ ካብ ደቡብ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ካብ ሰሜን ዝመጽኣ መራኽብ ንምልላይ ዕላማ ከም ዘለዎ የርኢ፡" ይብል።
"ካብቲ በረራታት ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ መሬት ኣይኰነን፤ ስለዚ እዚ ወራር ንምግባር ዝግበር ምድላው ኣይኰነን፡" ዝበለ ካንሲያን፡ ኣመሪካ ኣብ ኢዳ ዘለዋ ናይ ፒ-8ን ኤምኪው-4ሲ ትራይተንን ቍጽሪ "ውሱን" ስለ ዝዀነ፡ እዞም በረራታት "ልሙዳት" እዮም ኢልካ ምሕሳብ ከም ዘጠራጥር ወሲኹ ገሊጹ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ብተወሳኺ፡ ካብ 1 ክሳዕ 7 ለካቲት ዘሎ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ምንቅስቓስ መርሚሩ።

ኣብኡ ድማ ሓንቲ ፒ-8 ጥራይ ኣብ ከባቢ ኵባ ከም ዝበረረትን ምስኡ ዝወዳደር ናይ ኤምኪው-4ሲ ትራይተን ምንቅስቓስ ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ከም ዘይነበረን ርእዩ።
ይዅን'ምበር፡ ናይ ኣመሪካ ሓይሊ ኣየር ኣርሲ-135ቪ ሪቨት ጆይንት (RC-135V Rivet Joint) ናይ ስለያ ነፋሪት ኣብቲ እዋን እቲ ክልተ ግዜ ነታ ደሴት ዘይራታ እያ።
ናይ ድሮን ክኢላ ስቲቭ ራይት ንቢቢሲ ቨሪፋይ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ድሮን በረራታት ስለያ፡ "ብብዙሕ መዳዩ ቬነዙወላ ነቲ ናይ ነዳዲ ዕጽዋ ንምስባርን ናብ ኵባ ነዳዲ ንምልኣኽን ዝገበረቶ ፈተነታት ንምዕጋት ዝዓለመ እዩ።"
ካብ ጃነስ ዝተባህለ ናይ ምክልኻል ስለያ ትካል ዝመጽኡ ሓበሬታት'ውን ተመሳሳሊ ገምጋም ዝሃቡ ኰይኖም፡ ካብ ለካቲት ጀሚሩ "ሓፈሻዊ ናይ ኣመሪካ ስለያን ምክትታልን በረራታት ከም ዝወሰኸ፡" ገሊጾም።
"እዞም በረራታት እዚኦም ብናጻ ናይ ምክትታል መሳርሒታት ኣቢሎም ክረኣዩ ምኽኣሎም፡ ነቲ ናይ ነዳዲ ዕጽዋ ንምስባር ዝግበሩ ፈተነታት ንምዕጋትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኵባ ጸቕጢ ንምፍጣርን ዝዓለሙ ከም ዝዀኑ የመልክት፡" ክብል ጃነስ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ገሊጹ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


