ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ መደረ ኣቢይ ኣሕመድ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, MARY HARPER
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ።
ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብዚ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ጕዕዞ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ መርገጺታት ክወሳወስ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
እቲ 'ፓተምኪን' ኢሉ ዝጽውዖ ሰልፊ፡ ብሓደ ሸነኽ "ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ወተሃደራዊ ጐስጓስን ተጻብኦን ክገብር ከም ዝጸንሐን በቲ ካልእ ወገን ድማ ርእሱ ከም "ግዳይ ውሽጣውን ግዳማውን ውዲታት" ገይሩ ከቕርብ ከም ዝፈተነን ኣመልኪቱ።
እዚ ናይ ኤርትራ ምላሽ ዝመጽአ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ባይቶ ዘስምዖ መደረ፡ ንኤርትራ፡ ህወሓትን ሱዳንን ብሓባር ብምጥቃስ፡ "ኣይኰነንዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ'ውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ኣቢይ ኣብቲ ዘስምዖ መደረ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ንኢትዮጵያ "ንምውራር ይዳሎ ኣሎ" ክብል ዝወቐሰ ኰይኑ፡ መንግስቱ ግን ነዚ ሓይሊ ንምምካል ዘኽእል ዓቕሚ ምክልኻል ይሃንጽ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ነቲ ቀደም ዝሰርሐ ዝኣረገ ስልቲ ሕጂ ክጥቀሙ ምፍታኖም ረብሓ የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ምኒስተር የማነ፡ "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘየድልን ክውገድ ዝኽእልን ወጥሪ" ብሰንኪ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ዝኽተሎም ዘሎ ሸለልትነት ዝመልኦም ፖሊሲታት ከም ዝዀነ ብምጥቃስ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ምስሕሓብ ካብቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ንፍሉያት ሓይልታት ወጻኢ ብምእዛዝ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ምስጢራዊ መዓስከርን ወተሃደራዊ መደበርን" ብምፍቃዱ ዝመጽአ እዩ ኢሉ።
እዚ ክሲ እዚ፡ መንግስቲ ሱዳን ንኢትዮጵያን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ኲናት ሱዳን ጣልቃ ይኣትዋ ኣለዋ ብምባል ብተደጋጋሚ ክኸስሶ ንዝጸንሐ ዘዘክር እዩ።
በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመንእሰያት ኣብ ሱዳን ናብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት የሰጋግሩን "ከም ገላዩ ይሸጡን" ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ "መንእሰያት ትግራይ ብዘይፈልጡዎ ምኽንያት ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ፡" ኢሉ።
እቲ ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ፡ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ዘይምምላሱ፡ ንትግራይ ዳግማይ ናብ ዕጽዋ ይመልሳ ኣሎ ኢሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቅስ ህወሓት፡ ብዛዕባ'ዚ ዓቢይ ኣሕመድ መንእሰያት "ይሸጡ" ኣለዉ ዝበሎ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መልሲ የሎን።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክስታት ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ገይሩዎ ነይሩ እዩ።
እቲ ምኒስትሪ ብ6 ግንቦት 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝፈጠረቶ ምስምስ እዩ፡" ክብል ከሲሱ።

ምንጪ ስእሊ, @Hawelti
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ብምስጢር ዝተፈረመ መዘክር ምርድዳእ፡ "ዘይሕጋውን ሸለልትነት ዝመልኦን ስጕምቲ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንውዕላትን ስትራተጅያዊ ስምምዓትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን፡ ከምኡ'ውን ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ዝምልከት "መሰረታዊ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጠሓሰ እዩ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣንጻር ኤርትራ፡ "መርዛምን ታሪኽ ክልውጥ ዝደልን ፖሊሲ" ክኽተል ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ "ውዕል ፕሪቶርያ ንምፍሻል ዝዓለሙ ሓይልታት" ዝብል ክሲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝመለሰ ምኒስተር የማነ፡ "ውዕል ፕሪቶርያ ንኤርትራ ዝምልከት ከም ዘይኰነን ምሉእ ብምሉእ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡" ምዃኑን ኣስሚርሉ።
እቲ ምኒስተር ቀጺሉ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ውዕል ፕሪቶርያ ቅድሚ ምፍራሙን ዘተ ቅድሚ ምጅማሩን ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ኣንጻር ኤርትራ (ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን) "ውዲት ይኣልም ነይሩ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እዚ ምስጢር'ዚ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓያሎ ቃለመሕትቱ ብምግላጹ፡ "ጋህዲ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም፡ እቲ ምስ ኤርትራ ተሓባቢሮም ንኢትዮጵያ ክወሩ ይዳለዉ ኣለዉ ዝብል ክሲ "ፍጹም መሰረት ዘይብሉ"ን ትግራይ ንምድኻም ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልትን ምዃኑ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም እዮም።
በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ "ሰዓርን ተሰዓርን ብማዕረ ኮፍ ኢሎም ዝተደራደሩሉ እዩ፡" ክብል ገሊጹዎ።
እንተዀነ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ተዅታዂ ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ብምውቃስ፡ ህወሓትን ዓወትን "ሕቖን ከብድን እዮም፡" ኢሉ።

እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ ዝብል ስግኣቶም ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ብ26 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክትግበርን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይ፡ ኣብቲ ክልል "ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድልየት ኣሎ፣ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ኢና እምቢ ኢልና፡" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ርእይቶ'ዚ ዝወሃብ ዘሎ፡ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍጎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉን ኣብቲ ክልል ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ ይካየድ ኣሎ ዝብል ክሲ ኣብ ዝስምዓሉን ዘሎ እዋን እዩ።
ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብግዴታ ናብ ውትህድርና ይምልመሉ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኦም ኣለዉ።
እዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ እቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቃላት ኲናትን ምፍርራሕን፡ ድሕሪ እቲ ብ1 ሰነ 2026 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ብኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ድሕሪ ምዕቃቡ እዩ።
እቲ መረጻ ብግጭትን ብኽስታት ዓፈናን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ ዝብል ነቐፌታ ዝቐረበሉ ኰይኑ፡ ኣቢይ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ንኻልኣይ እብረ ዘመነ-ስልጣኑ ቃለማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምነይዎ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎም ዘሎ፡ "ካብ ክውንነት ዝርሓቑ ፖሊሲታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡" ክብል ኣጠንቒቑ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
