ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ዳግማይ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ክሰርሕ ዝዳሎ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ

ኣርማ ናይ ቀደም ጋንታኡ ኢንተርማርቸ-ዋንቲ ዘለዎ ቀጠልያ ማልያን ጻዕዳ ቆቢዕን ተኸዲኑ ብፍሽኽታ ሽልማት ንምቕባል ኣእዳዉ ዘርጊሑ ናብ መድረኽ ዝደየበ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ኣብ ዙር ፈረንሳ 2024 ሓደ መድረኽ፡ ከምኡ'ውን ቀጠልያ ማልያ ናይቲ ዙር ዝተዓወተ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸውን ዝበቕዐ ተቐዳዳማይ እዩ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ቢንያም ግርማይ፡ ሓዳስ ብሽክለታ፡ ሓዳስ ጋንታን ደገፍ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ዝዓተረ ኮኾብ ተጻዋታይ ነበርን ሒዙ'ዩ ዳግማይ ዓወት ከመዝግብ ናብ ዙር ፈረንሳ 2026 ተበጊሱ ዘሎ።

እቲ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣብ 2024 ሓደ መድረኽ ናይቲ ዙር ዝተዓወተ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ኣብ መላእ ዓለም ደሚቑ ምንባሩ ዘይርሳዕ'ዩ።

መዓስ እዚ ጥራይ፣ ቀጠልያ ማልያ ተኸዲኑ ንመዛዘሚ መስመር ቱር ዲ ፍራንስ ዝሰገረ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ምንባሩ'ውን ንድምቀቱ ኮሊዕዎ'ዩ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበራ ክልተ ዓመታት ግን ካብቲ ዝለመዶ ምሕፋስ ዓወታት ብተዛማዲ ተኸዊሉ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብታ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሓላ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርቸ-ዋንቲ ብምስንባት ናብ 'ኤን-ኤስ-ኤን ሳይክሊን' (NSN Cycling) ተጸንቢሩ።

ሓደ ካብ ወነንቲ ናይታ ጋንታ፡ እቲ ዋንጫ ዓለም 2010 (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝዓተረ ስጳኛዊ ዓንዲ-ማእከል ክለብ ባርሰሎና ነበር ኣንድሬ ኢኒየስታ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቢንያም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጓናጸፎ ዓወታት ክደግሞ ነቒሉ ከምዘሎ ይገልጽ።

"ኣመና ተሓጒሰ ኣለኹ፡ ናይ መድረኽ ዓወት ንምጕንጻፍን ቀጠልያ ማልያን ንምሓዝን ተለዓዒለ ኣለኹ።

"ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣትሒዙ እዚ'ዩ ቀንዲ ዕላማና።

"ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝሓየሉ ደቂ-ጋንታን ሓያል መሪሕን ኣለኒ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ ውጽኢተይ ተመሓይሹ።

"ነዚ ዙር እዚ ሓያል ጻዕሪ ከነካይደሉ ጸኒሕና ኢና፡ ስለዚ ድማ ነቲ ዝወጠንናዮ ክንዕወተሉ ኢና ንደሊ" ክብል ቢንያም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ናይዚ ዓመት መበገሲ ጉዕዞ (ግራንድ ዲፓርት) ኣብታ ከም ኵለን ከተማታት ኣውሮጳ ብጸሓይ ትቝሎ ዘላ ከተማ ባርሰሎና'ዩ ክፍልም።

'ግራንድ ዲፓርት' ነቲ ክሳብ 20 ኪሜ ዝዝርጋሕ ፈላሚ ጕዕዞ ናይቲ ዙር ዝውክል ኰይኑ፡ ብምርኢታትን ድሙቕ ስነስርዓት ምሽላም ዕዉታት ዝጽንበለሉ መድረኽ ናይቲ ውድድር እዩ።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ግን ናብቲ ከም ባህርያዊ ዶብ ኰይኑ ንስጳኛን ፈረንሳን ዝፈሊ ጐቦታት ፒሪኒስ ክሓዂሩ ክግደዱ'ዮም። እዚ ማለት ኣናብስ ቅጽበታዊ ቅድድም ብኣጋኡ ብቕዓቶም ዘመስክርሉ በዳሂ ዓቐብ ክጽበዮም እዩ።

እንተዀነ ነቲ ኣብ ሃገሩ ኣብ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ሰለስተ ወቕትታትን እኳ ድኣ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ከምዝኽእል'ዩ ዝዛረብ።

"እንተ ኣስተብሂልካ እቲ ዝበለጸ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ብቕዓተይ እቲ ናይ ዙር ፈረንሳ 2024 እዩ ነይሩ። ካብ ኢጣልያ ክንብገስ እንከለና ክልተ ኣመና ተረርትን ውዑያትን መድረኻትን'ዮም ገጢሞምና።

"ንሱ ነቶም ካልኦት ከቢድ'ዩ ነይሩ- እዚ ኸኣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ንዓይ ረብሓ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ ሙቐት ክብድሆ ስለዝኽእል።

"ድሕሪ'ቲ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ፈተና [ቲም ታይም ትራያል] ውዑይን ተሪርን መድረኻት ክህልወና እዩ" ይብል እቲ ዓቢ ሓቦ ሰኒቑ ክብገስ ዝዳሎ ዘሎ ተቐዳዳማይ።

ኣንበሳ ቅጽበታዊ ቅድድም ዓቐበት

ጻዕዳ ማልያን ቡናዊ ቆቢዕን ዝገበረ፡ ማይክሮፎን ካብ እዝኑ ናብ ከባቢ ኣፉ ዝተሰዂዖ ቢንያም ምስ ኣንድሪየስ ኢንየስታን ካልኦትን ኣብ ቅድሚ ድሕረባይታ ጋንታኡ ደው ኢሉ እናተሳእለ

ምንጪ ስእሊ, NSN Cycling

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ምስታ ብኸፊል በቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ደቡብ ኣፍሪቃ ሸቶ ብምምዝጋብ ንሃገሩ ዋንጫ ዘግዘመ ስጳኛዊ ኣንድሬ ኢንየስታ (ማእከል) እትውነን ጋንታ ኤንኤስኤን እዩ ዘሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢንያም ዝነበራ ኢንተርማርቸ-ዋንቲ ብዓይኒ ገንዘብን ጸጋን ምስ ኤን-ኤስ-ኤን ዝወዳደር ኣይኰነን። ሓደ ስቶንወግ ዝተባህለ ስዊዘርላንዳዊ ትካል ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ከምኡ'ውን 'ነቨር ሰይ ነቨር' ዝተባህለ ብኢኒየስታን መሻርኽቱን ዝተመስረተ መወዓውዒ ስፖርትን ኩባንያ ዝምወል ብምዃኑ ሓያል ዓቕሚ ዘለዎ'ዩ።

ቢንያም ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ናይ ዩ-ሲ-ኣይ (UCI) ውድድራት ዘመዝገቦ ዓወታት'ውን መርኣያ ናይዚ ብልጫታት እዚ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ ውድድር ቮልታ ኮሙኒታት ቫለንሺያ ቀጠልያ ነጥቢታት ዘለዋ ማልያ ምዕዋቱ'ውን ንገስጋሱ ዝደርዐ'ዩ ነይሩ።

ቢንያም፡ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዙር ፈረንሳ፡ ቀጠልያ ማልያ ንምጭባጥ ኣብ ዘካየዶ ህልኽ ሳልሳይ ወጺኡ ምንባሩ ይዝከር። ሎሚ ዓመት ግን፡ ዳግማይ ነታ ንምስሊ መልክዕ ምድሪ ክረምቲ ፈረንሳ እትመስል ማልያ ደጊሙ ክምንጥላ'ዩ ሃቂኑ ዘሎ።

"ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር እኹል ምድላው'የ ገይረሉ ዘለኹ፣ ብፍላይ ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ።

"ኵሎም [ብጾተይ] እውን ኣብ ተመሳሳሊ ብቕዓት ይርከቡ። እዚ ድማ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ከም ጋንታ መጠን ኵላትና ኣብ ሓደ ደረጃ ክንህሉ ኣለና።"

መድረኽ ቅጽበታዊ ውድድር ምስ በጽሐ ኣዒንቲ ዓለም ናብ ቢንያም ከምዘቋምታ ብኣጋኡ ዝተጋህደ ሓቂ'ዩ። ግን ናብ ዝነበሮ ብቕዓት ይምለስዶ ይኸውን?

ዝበዝሑ ተንተንቲን ተዓዘብትን ከም ዝብልዎ፡ እቲ ኤርትራዊ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ፈረንሳ፡ ካብ ላነሚዛን ናብ ፓው ዝግበር 5ይ መድረኽ' ብደገፍ ስልታውያን ኣባላት ጋንታኡ ብቕዓቱ ከምስክር ዝሓሸ ቀዳማይ ዕድል ኣለዎ።

ንምንቅስቓስ ቀንዲ መቐናቕንቱ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም ዝብሃሉ ኣባል ጋንታ ጃስፐር ፐሂሊፕሰን-ፕሪምየር ቴክ፡ ከምኡ'ውን ኣባል ጋንታ ሳውዳል-ከዊክስተፕ ዝኾነ ቲም መርሌር ግን ብጐቦ ዓይኑ ምክትታል ከድልዮ እዩ።

ኣብቲ ካብ ግራኖለርስ ናብ ለስ ኤንጅልስ ዝግበር ናይ ኣስታት 196 ኪሜ ውዕሎ 3ይ መድረኽ'ውን ዕድል ክረክብ ይኽእል'ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ መዛዘሚ መስመር ዘሎ 1.7 ተሪር ዓቐብ ንቕጽበታዊ ቅድድም ወሳኒ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ኣርኣያ ዝቕጽል ወለዶ ተቐዳደምቲ

ስኑ ነኺሱ፡ መነጸር ጸሓይ፡ ሄልመትን ገይሩ፡ ኣጻብዕቱ ዘርጊሑ ካብ ኣፍልቡ ንላዕሊ ዝርአ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ንመበል 5ይ ግዜ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ዝተሸለመ ውሩይ ስፖርታዊ እዩ

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2026 ዝሳተፍ እንኮ ኣፍሪቃዊ'ዩ። እንተኾነ፡ ኣሰሩ ዝስዕቡ ካልኦት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናብዚ ዓለማዊ መድረኽ ክቕልቀሉ ምዃኖም'ዩ ዝኣምን።

ሓደ ካብኦም'ውን ወዲ 20 ዓመት ሚልኪያስ ማእከለ እዩ። እዚ ክኢላ ቅጽበታዊ ቅድድም ዝኾነ ተካኢ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ቻምፕዮና ጽርግያ ኤርትራ ዝተዓወተ እዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ናይ ጽርግያ (ሮድ) ሃገራዊ ውድድራት ሓደ ካብቶም ሓያል ቅድድም ዝራኣየሎም ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ኣዝማሪኖ ሚልኪያስ ብወልቁ ኣብ ዘርኣዮ ዓብላሊ ውድድር'ዩ ነቲ ዓወት ክጓናጸፍ ክኢሉ።

ቢንያም ከምዝብሎ፡ እቲ 1.8 ሚትሮ ዝበጽሕ ቊመት ዘለዎ መንእሰይ፡ "ዓቢ ዓቕሚ" ዘለዎ'ዩ።

"ሓያል ናይ ቅድድም ኣእምሮ ዝውንን'ዩ፣ ናይ ብሓቂ ናይ ዓወት ኣተሓሳስባ ኣለዎ።

"ሃገራዊ ሻምፕዮና ምዕዋቱ ኣዝዩ እዩ ኣሐጒሰኒ። ዝንኣድ ውድድር ብምክያዱ ይግብኦ እዩ" ክብል ቢንያም ንሚልክያስ ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ።

ሚልክያስ፡ ልክዕ ከም ቢንያም፡ ብኤርትራዊት ጋንታ ኣስቤኮ ዝሓለፈ ኰይኑ፡ በቲ ፈለማ ዘርኣዮ ብቕዓትን ዓወትን ምስታ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ናይ ምድጋፍ ታሪኽ ዘለዋ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ክፍርም በቒዑ'ዩ። እታ ጋንታ ናይ ዩ-ሲ-ኣይ ኮንቲነንታል ደረጃ ዘለዋ እያ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብኣ ብእትዓቢ ጋንታ ነት-ካምፓኒ ኢንዮስ ተመንጢሉ። እታ ኣቐዲማ ጋንታ ስካይ (ቲም ስካይ) ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ጋንታ ንብራድሊ ዊጊንስ፡ ክሪስ ፍሩም፡ ከምኡ'ውን ገራይንት ቶማስ ዝተባህሉ ጐባልል ዙር ፈረንሳ ዘፍረየት ኰይና ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ንውድድራት ቅድምም ብሽክለታ ዓብሊላ ዝጸንሐት እያ።

ኤርትራ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብቕድድም ብሽክለታ መሪሕ ቦታ ሒዛ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ከም በዓል ሄኖክ ምሉእብርሃን (ኤስ-ዲ-ኤስ ኣስታና)፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን (ሞቪታር)፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተሳተፈ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ዝበሉ ውሩያት ተቐዳደምቲ ዘፍረየት እያ።

ብዙሓት ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ንሓሙሽተ ግዜ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ዝተሸለመ ቢንያም ግርማይ ንምድጋፍ ናብ ስጳኛን ወሳኒ መድረኻት ፈረንሳን ክውሕዙ ትጽቢት ይግበረሎም።

ቢንያም ግርማይ ካብ 2020 ኣትሒዙ ሓሙሽተ ግዜ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ዝተሸለመ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ዝበለጹ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተባሂሎም ዝተረቑሑ

2012 : ናትናኤል ብርሃን [ኤርትራ]

2013 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]

2014 : መኽሰብ ደበሳይ [ኤርትራ]

2015 : ዳንኤል ተኽለሃይማኖት [ኤርትራ]

2016 : ተስፎም ዑቕባማርያም [ኤርትራ]

2017 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]

2018 : ጆሴፍ ኣረሩያ [ርዋንዳ]

2019 : ዳርልይ ኢምፐይ [ደቡብ ኣፍሪቃ]

2020 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]

2021 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]

2022 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]

2023 : ሄኖክ ምሉብርሃን [ኤርትራ]

2024፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]

2025፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]