ምስልታት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ወጻኢ ሃገራትን

ስነ ስርዓት ስግደት(ዓርቢ ስቕለት) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ስነ ስርዓት ስግደት(ዓርቢ ስቕለት) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመንቲ ክርስትና፡ ብፍላይ ተኸተልቲ ኦርቶዶክሳዊን ካቶሊካዊን ኣብያተ-ክርስትያን ዓርቢ ስቕለት ብጸሎትን ስግደትን ኣኽቢሮሞ ውዒሎም ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን ናይ ዝነበረ ስነስርዓታት ዘንጸባርቑ ገለ ምስልታት ናይዚ ብወግዒ ጾም-ኣርብዓ ዘብቅዓሉ ክቡር መዓልቲ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡

ክሰግዱ ዝራኣዩ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ካብ ዝወዓለ ጸሎትን ስግደትን ኤርትራውያን ካቶሊካውያን
ክሰግዱ ዝራኣዩ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝተኻደ ስግደት ኣመንቲ ኣብ ኬንያ
ስነ ስርዓት ስግደት(ዓርቢ ስቕለት) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ዝርከቦም ካህናት ኣብ ቅድሚ ትእምርቲ ልብሲ ክርስቶስ ዘንጸባርኽ ክዳን እናጸለዩ
ነጻላ ዝተዓጠቑ ኣመንቲ ኣብ ስግደት

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ትግራይ ኣብ ጸሎትን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት
ቅዱስ_ሚካኤል መቐለ ዓዲ ሹምደሐን

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television

መግለጺ ስእሊ, ቅዱስ ሚካኤል መቐለ ካብ ዝወዓለ ስግደት ብኸፊል
ኣብ ስግደት ዝርአ ብዙሕ ህዝቢ፡ ብድሕሪኡ ነዋሕቲ ህንጻታት ኣዲስ ኣበባን ኣግራብን ይርአ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, እታ ብድሙቕ ጽንብላት ሃይማኖታዊ በዓላት እትፍለጥ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዓርቢ ስቕለት ብዕቱብ'ያ ኣሕሊፋቶ
ዝሰግዱን ደው ዝበሉን ኣመንቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ሰላሴ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ክላይ-ላይሶ፡ ስግደትን ምህልላን ኣብ ቀንዲ ካቴድራለ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ስላሴ ኣዲስ ኣበባ
ብጫ ጋቢ ዝደረበት ኣደ ዓይና ዓሚታ ንሰማይ እናተማህለለት፡ ኣብ ድሕሪኣ ሓደ ፍሽኽታ ዝዓሰሎ ቆልዓን፡ ኣብ ጸሎት ዝርከባ ኣዴታትን ይራኣያ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ምስሊ የሱስ ክርስቶስ ዝሓዛ ካቶሊካውያን ኣዴታት ኣብቲ ኣብ እዋን ጾም ብማሕበር ኢየሱስ ስቁል ከረን ዝግበር ዓመታዊ ዑደት ፍኖተ መስቀል ካብ ቤ/ክ ላሳለ ጀሚሩ ናብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል እናተሳተፋ

ምንጪ ስእሊ, Dawit Cheway

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራ፡ ካቶሊካውያን ኣዴታት ኣብቲ ኣብ እዋን ጾም ብማሕበር ኢየሱስ ስቁል ከረን ዝግበር ዓመታዊ ዑደት ፍኖተ መስቀል ካብ ቤ/ክ ላሳለ ጀሚሩ ናብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል እናተሳተፋ
እቲ ዑደት ከረን ዝተበገሰሉ ቤተክርስትያን ላሳለ፡ ፍሉጥ እምባ ላልምባ ኣብ ድሕረባይታ ብኸፊል ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Dawit Cheway

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዑደት ከረን ዝተበገሰሉ ቤተክርስትያን ላሳለ፡ ፍሉጥ እምባ ላልምባ ኣብ ድሕረባይታ ብኸፊል ይርአ
መስቀልን ዝበርህ ሽምዓን ዝሓዙ ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎት እናመርሑ

ምንጪ ስእሊ, XIRHA ZION St Mary Eritrean Orthodox Tewahdo Church Glasgow

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ብሪጣንያ (ግላስጎ) ንቅንያት ሕማማትን ዓርቢ ስቕለትን ብጸሎትን ስግደትን'ዮም ዘሕልፍዎ ዘለዉ
ንዕዳጋ ዝተዳለዋ ሓያሎ ደርሁ ኣብ ቅድሚኣ ገይራ ኣብ ትሕቲ ዝሓዘቶ ጽላል ኮፍ ዝበለት ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Fana Broadcasting

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ንፋሲካ ኣብ ዕዳጋ ዝተቐረባ ደርሁ በላዕተን ይጽበያ
ከብትን ሰባትን ዝተሓዋወስሉ ሰፊሕ ዕዳጋ

ምንጪ ስእሊ, Fana Broadcasting

መግለጺ ስእሊ, ብኣጋጣሚ በዓል ትንሳኤ ዝዓመረ ዕዳጋ ከብቲ ኢትዮጵያ