ፓስፖርት ዝሓዙ ኣናጹን ብዛዕባ ቲቢ ዝመራመር ኢትዮጵያዊን

ምንጪ ስእሊ, APOPO
እዞም ኣናጹ፡ ሕማም ቲቢ (TB) ዘለዎም ሰባት ንምፍላይ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅምሶታት ብምጭናው መርሚሮም እዮም። በዚ ድማ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከይተጠቕዑ ንምድሓን ኣኽኢሎም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ዓውደ-ውግእ ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት፡ ዝተቐብሩ ነተጕቲ ብጨና ብምፍላይ፡ ነቲ መሬት ካብ ሓደጋ ናጻ ኣውጺኦምዎ እዮም። በዚ ዅሉ ኣበርክቶኦም ድማ፡ 'ሂሮራትስ' (HeroRATs - ጀጋኑ ኣናጹ) ተባሂሎም፤ ብሳይንሳዊ መጸውዒኦም ድማ Cricetomys ansorgei ይበሃሉ።
እዞም 'African giant pouched rats' (ገዘፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣናጹ) ብዝብል ስያመ እውን ዝፍለጡ እንስሳታት፡ ብብዝሒ ኣብ ትሕቲ-ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት እዮም ዝነብሩ።
ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከቡ ጐቦታት ዘለዎም ከባቢታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቐሊሉ ይርከቡ።
እዞም እንስሳታት ካብ ካልኦት ዓሌታት ኣናጹ ፍልይ ዝበሉ እዮም። ሕማም ቲቢ ነተጕትን ብጨና ካብ ምፍላይ ሓሊፎም፡ ከም ምንቅጥቃጥ መሬት ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ከጋጥሙ ኸለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ምድላይ እውን ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ዶክተር ተፈራ በላቸው ብዛዕባ እዞም ኣናፁ ኣውጊዑ ኣይፀግብን እዩ። ንሱ፡ ብኣናፁ ተሓጊዙ ምርምር ናይ ዘካይድ ቤልጅየማዊ ትካል 'ኣፖፖ' (APOPO) ዞባዊ ሓላፊ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምርምር ቲቢ ውጽኢታዊ ኰይኑ እዩ።
ሕማም ቲቢ ካብ ዝፈታተነን 30 ሃገራት ዓለም፡ እተን ዝበዝሓ ኣብ ኣፍሪቃ እየን ዝርከባ። ስለዚ ድማ፡ ትካል ኣፖፖ ኣብ ናይጀርያ፡ ሴራሊዮን፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ፈተነታት የካይድ ኣሎ።
ዶክተር ተፈራ ብሞያኡ ናይ ሕክምና ዶክተር እዩ። ቦትስዋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት ኣመሪካ (CDC) ሰሪሑ እዩ።
ሕጂ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ታንዛንያ፡ ከተማ ሞሮጎሮ እዩ ዝርከብ። ስለዚ ብዛዕባ እዞም ኣናፁ ንሰዓታት ከውግዕ ይኽእል እዩ። ንሱን ካልኦት መሳርሕቱ ተመራመርቲን፡ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ መፍለዪ ምስሎም (profile picture)፡ ኣንጭዋ ኣብ መንኵቦም ገይሮም ዝተሰኣልዎ ስእሊ እዩ።
እዞም ኣናፁ፡ ኣባላት ናይዚ ጕጅለ ምርምር እዮም፤ ናይ ገዛእ ርእሶም ስም፡ ፓስፖርትን ማእከል ጥሮታን ኣለዎም።
ሓድሓደ ግዜ ምስራሕ ስለ 'ዝሰልችዎም'፡ ነዞም ብዙሕ ሓላፍነት ዝጾሩ ኣናጹ ግዜ ምዝንጋዕ ይምደበሎም እዩ።
ቲቢ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሕማማት እውን መጽናዕቲ ዘካየደ ዶክተር ተፈራ፡ ነዞም ኣናጹ "ኣዝዮም ተፈተውቲ እንስሳታት" ብምባል ይገልጾም።
እዞም ኣናፁ፡ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ትካል ኣፖፖ እዮም ዝራብሑ።
ኣናፁን ሳይንስን
እንስሳታት ንዝተፈላለየ ሳይንሳዊ ምርምራትን ፈተነታትን ምጥቃም ልሙድ እዩ። ንኣብነት፡ ኣኽላባት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበረ ነተጕቲ ብጨና ንኽፈልዩ ይስልጠኑ እዮም።
ዓቕሚ ምሽታት ኣናጹ ግና፡ መወዳድርቲ የብሉን።
ደቂ-ሰባት ኣብ ኣፍንጭኦም ልዕሊ 400 ጫፋት መትኒ ኣለዎም። ኣኽላባት ድማ ካብ 800 ክሳብ 900 ይበጽሕ። ናይ ኣናፁ ግን ኣስታት 1,200 እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣዝዩ ልዑል ዓቕሚ ምሽታት ዘለዎም።
ዶክተር ተፈራ ከም ዝብሎ፡ ትካል ኣፖፖ ብቐንዱ ዝተመስረተ፡ ኣናጹ ነተጕቲ ብጨና ብምሽታት ንኽፈልዩ ንምስልጣን እዩ። ኣኽላባት እውን ነተጕቲ ብጨና ምፍላይ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ኣናጹ ግና መጠኖም ንኣሽቱ ስለ ዝዀነ ዝያዳ ተመረጽቲ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ኣፍሪካን ጃያንት ፖችድ ራትስ ክብደቶም ካብ 1 ነጥቢ 5 ኪሎግራም ኣይሓልፍን፤ ንጭርኦም ሓዊሱ ንውሓቶም 90 ሴንቲሜትር እዩ። እዞም ኣናፁ ምግቢ እንተ ተዋሂብዎም፡ ካልእ ዝሓትዎ ነገር የለን።
እዞም ነታጕን ሕማም ቲቢን ብጨና ብምፍላይ ተመረፅቲ ዝዀኑ ዓሌታት ኣናፁ፡ ኣብ ኣባይትናን ከባቢናን ካብ እንርእዮም ኣናፁ ዝተፈለዩ እዮም።
ሳይንስ ዝመርፆም ኣናፁ ብቐሊሉ ዝላመዱ ዀይኖም፡ ክሳብ 11 ዓመት ይነብሩ። ኣብ ገዛ ዝረኣዩ ኣናፁ ግና፡ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዕድመ የብሎምን።
እዞም ትጉሃት ኣናፁ ኣፖፖ፡ ሸሞንተ ዓመት ምስ ሰርሑ ጥሮታ ይወፅኡ።
ጥሮታ ኣናፁ
ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ማእከል ኣናጹ፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ መንበሪ ኣናጹ ብምምሳል እዩ ተዳልዩ፤ እቲ ገዛ ብጭቃን ሳዕርን ዝተሰርሐ እዩ።
ጥሮተኛታት ኣናጹፀሓይ ይፅለዉ፣ ይዘናግዑ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ስፖርት) ይሰርሑ። ኣብ ናሕሲ ይዛወሩ፣ እቲ ዝፈትውዎ ምግቢ እውን ይወሃቦም።
ኣቮካዶ፡ ባናና፡ ብርጭቕን ጠስሚ ኦቾሎኒን (ፒናት-ባተር) ብጣዕሚ እዮም ዝፈትዉ።
"ስርሖም ወዲኦም ጥሮታ ምስ ወጹ፡ ሕጕሳት ኰይኖም ግዜኦም ከሕልፉ ኢና ንገብሮም" ይብል ዶክተር ተፈራ።
ኣናፁ ብኸመይ ይስልጥኑ?
ኣናጹ ካብ ዝተወለዱሉ ክሳብ ራብዓይ ሰሙን ዓይኖም ኣይርእን እዩ። መጀመርታ ዓይኖም ምስ ኣንቍሑ ድማ፡ ንኣሰልጠንቶም እዮም ዝርእዩ።
ካብ ዝተወለዱሉ ክሳብ ካልኣይ ወርሒ ዘሎ ግዜ፡ ፀሓይ ንኽሞቑ ናብ ደገ ብምውፃእን ብምእታውን ምስ ሰባት ከም ዝለማመዱ ይግበር።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ 'ክሊከር ትሬኒን' ዝተባህለ ስልጠና ይወስዱ። እዚ ድማ ብዛዕባ ድምጽን ምትእስሳር ምግብን ዝመሃሩሉ እዩ።
መጀመርታ ድምጺ ከም ዝሰምዑ ይግበር እሞ፡ ድሕሪኡ ምግቢ ይወሃቦም።
"ቅምሶ ሕሙም ቲቢ ወይ ነተጕቲ ብምውሳድ ኢና ነሰልጥኖም፤ ነቶም ቅምሶታት እናጨነዉ ድምጺ ክሰምዑ ይግበር፤ ካብኡ ድምፅን ሕማምን፣ ከምኡ'ውን ድምፅን ነተጕትን ምትእስሳር ይመሃሩ ማለት እዩ። ነቲ ሕማም ወይ ነተጕቲ ብጨና ምስ ፈለዩዎ፡ ምግቢ ከም ዝወሃቦም ይመሃሩ" ብምባል ነቲ መስርሕ የብርህ።
መበገሲ ናይዚ ስልጠና፡ እቲ ፍሉጥ ስነ-ሓሳብ ናይ ፓቭሎቭ እዩ።
ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ስልጠና፡ እቶም ኣናፁ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምውፋሮም፡ መምዘኒ ብቕዓት ይግበረሎም።
ብርግፅ ኣናፁ ፅቡቕ ስልጠና እንተ ተዋሂቡዎም፡ ነቲ ዝተመሃርዎ ንምትግባር ምቹእ ተፈጥሮ እዩ ዘለዎም።
እንተዀነ፡ ገለ-ገለ ኣናጹ ሕማም ብምሽታት ኣብ ምፍላይ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ውጽኢታውያን እንተ ዘይኰይኖም፡ ነተጕቲ ወይ ካልእ ነገር ብጨና ንኽፈልዩ ናብ ካልእ ክፍሊ ስራሕ ይዘዋወሩ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
እዞም ኣናፁ፡ ንስንን ቀርንን ሓርማዝ ሓዊሱ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣካላት እንስሳት ንምግታእ፡ ኣብ ዶብ ሃገራት ተፍትሽ ይገብሩ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሽትቱ ኣናፁ ምውፋር ተለሚዱ እዩ።
ባህሪያዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ'ውን ውፃእ መዓት እቲ ሓደጋ ንኽረኽቡ ይስልጥኑ። ንኣብነት፡ ምንቅጥቓጥ መሬት እንተጋጢሙ፡ ኣናፁ መጠኖም ንእሽቶ ስለዝኾነ ኣብ ኵሉ እናኣተዉ ብህይወት ንዝተረፉ ሰባት ይእልሹ።
ኣብ ዝባኖም ካሜራ ተገጢሙሎም ብምዛር፡ ሰብ ኣብ ዝረኽቡሉ ምልክት ይህቡ።
መበገሲ እዚ ዅሉ፡ ኣብ 1997 ሓደ ቤልጂየማዊ፡ ኣናፁ ነታጕ ብምሽታት ከለልዩ ምምሃሩ'ዩ። ኣብ ከባቢ 2007 ድማ ኣብ ሕማም ቲቢ ምርምር ተጀሚሩ።
እዞም ኣናጹ፡ ብዘለዎም ነዊሕ ዕድመ፡ ምስ ሰባት ብቐሊሉ ናይ ምልማድ ዓቕሞም፣ ገዘፍቲ ምዃኖምን ናይ ምሽታት ዓቕሚ ስለዘለዎምን ተመረፅቲ ይገብሮም።
ዶክተር ተፈራ፡ "ናትና ኣናጹ እንተ ተለቒቖም እውን ዝኸዱዎ የብሎምን፣ ወጺኦም ተዘናጊዖም እዮም ዝምለሱ። ምስ ሰብ ቀልጢፎም ዝለማመዱ ምዃኖም ድማ ፍሉያት ይገብሮም" ይብል።
እዞም ኣናጹ ሰብ ካብ ሰብ ይፈላልዩ እዮም። ንኣሰልጠንቶም ብግቡእ የለልዩ፣ ኣሰልጠንቶም እውን ንባህርያት ናይቶም ኣናጹ ፈላልዮም ይፈልጡዎ እዮም።
ቀንዲ ኣድህቦኦም ኣብ ስርሖምን ምግቦምን እዩ። ክጠምዩ ኸለዉ፡ ክጭነቑ ኸለዉ፡ ክሓሙ ኸለዉ ወይ ክሰርሑ እንተደኣ ዘይደልዮም፡ እንታይ ዓይነት ምልክት ከም ዘርእዩ ብቐሊሉ ይፍለጥ እዩ።
ኣናፁን ስምዒታቶምን
ዶክተር ተፈራ ከም ዝብሎ፡ ኣናፁ ምልውዋጥ ስምዒት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኣብ ዝሓሙሉ ወይ ኣብ ዝጠምዩሉ ዝተፈላለየ መንገዲ ይጥቁሙ።
ክሰርሑ ኣብ ዘይደልዩሉ መዓልቲ እውን፡ ካብ ምግዳፍ ወፃኢ ዋላ ሓደ ኣማራፂ የለን። ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ልዕሊ እቲ ዝተለመደ ቅልጡፋት ይኾኑ።
"ከም ምስዕሳዕ ዘብሎም ኣናፁ ኣለዉ። ዝሰልጠኑሉ ነገር ብልክዕ ክረኽብዎ እንከለዉ ከም ምስዕሳዕ የብሎም" ይብል እቲ በዓልሞያ።
ምሸት ቈሪሮም እንተ ሓዲሮም፡ ምግቢ ክቕየር እንከሎ እንተዘይ ተሰማሚዕዎም ወይ ኸኣ እንተሓሚሞም መጠን ጭንቀቶም ይዛይድ።
ኣናፁ ገፆም ደጋጊሞም ይፀርጉ፤ ኣብ መንጐ ስራሕ ኣብ ገፆም ንዝርከብ ጭሕሚ ይጸርጉ። እዚ ጭንቀቶም ዘወግድሉ ሓደ መንገዲ እዩ።
ፓስፖርትን ኣናጹን
እዞም ኣናፁ ዋላ'ውን ቪዛ እንተዘየመልከቱ፡ ፓስፖርት ኣለዎም። ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይዛወርሉ።
"ደስ ዝብል ሽም'ውን ኣለዎም፣ ብሽሞም እናተፀውዑ'ዮም ስራሕ ዝሰርሑ" ይብል ዶክተር ተፈራ።
ሃይለ ገብረስላሴ፡ ኦባማ፡ ሴሪናን ማጋፉሊን ዝበሃሉ ኣናፁ ምጥቃስ ይከኣል። ማጋፉሊ ኣብ ቀረባ እዋን'ዩ ሞይቱ።
ናይ ባዕሎም ሓኪም'ውን ኣለዎም። ክታበትን ቫይታሚንን'ውን ይወሃቦም።
ኣብ ዓለም ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ዝኾነ ማጋው ዝበሃል ኣንጭዋ፡ ብዝተፈለየ ኵነታት ብምስራሕ ዓለምለኻዊ ዝና ተጐናፂፉ'ዩ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ክመውት እንከሎ'ውን ዓቢይ ዜና ነይሩ።
200 ሽሕ ቅምሶ ብጨና ብምፍላይ ልዕሊ 3 ሽሕ ሕማም ቲቢ ዝረኸበት ካሮሊና ጥሮታ ክትወፅእ እንከላ'ውን ዓቢይ ዜና'ዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከል ጥሮታ እያ ትነብር ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ኣናፁ ኣብ ዝሞቱሉ. . .
ኣይኰነን'ዶ ምስ እንስሳ ምስ ንዋታዊ ነገር'ውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘይተርፍ'ዩ እሞ፡ ጥሮታ ዝወፅኡ ፓስፖርት ዘለዎም ኣናፁ ኣብ ዝሞቱሉ ኣብ ኣፖፖ ሓዘን ይኸውን፤ ግቡእ ፋንዋ ይግበረሎም።
ዶክተር ተፈራ፡ "ኣናፁ ክሞቱ እንከለዉ ኣባና ዜና'ዩ። ኣካል ጕጅለና'ዮም፤ መግለፅታትና'ዮም" ብምባል ነቲ ስምዒት ይገልፅ።
ሓደ ሓደ ኣናፁ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ታንዛንያ እናሰርሑ ምስ ኵሎም ተመራመርቲ እንተ ዘይተፋለጡ'ኳ፡ ኣብ ዝሞቱሉ ግን ኵሎም ሰብሞያ ተኻፈልቲ እቲ ሓዘን እዮም።
ህይወቶም ምስ ሓለፈ፡ መብጣሕቲ ተገይርሎም ዝሞትሉ ምኽንያት ተፃርዩ ይስነድ። ዕድመኦም ኣኺሉ ካብ ዝሞቱ ኣናፁ ብተወሳኺ መንሽሮ፡ ሽኮር ወይ ረኽሲ ዝቐትሎም'ውን ኣለዉ።
ኣናፁ ይጋገዩ'ዶ?
እዞም ኣናጹ ምዘና ብቕዓት ክግበረሎም ከሎ፡ እቲ ዝልካዕ መጠን ጌጋኦም እዩ።
ኣይኰነን'ዶ ኣናጹስ፡ ዘመናዊ ማሽን እውን ከይተረፈ ብጕድለት 'ፎልስ ኔጋቲቭ' ወይ 'ፎልስ ፖዘቲቭ' ውጽኢት ይህብ እዩ።
ኣናጹ፡ ካብቲ ዝተቐመጠሎም ደረጃ ንላዕሊ ከይጋገዩ ወይ ካብቲ ዝተቐመጠሎም ደረጃ ንታሕቲ ከይሰርሑ፡ መለክዒ ተቐሚጡሎም እዩ።
እዚ ተመራማሪ፡ "ውድብ ጥዕና ዓለም እውን 100 ሚእታዊት ናይቲ ሕማም ክርከብ ትጽቢት ኣይገብርን እዩ፤ 98 ሚእታዊት ቅኑዕ እንተ ዀይኑ እኹል ምዃኑ እዩ ዘቐምጥ" ይብል።
ሕማም ቲቢ ዘይብሉ ሰብ 'ኣለዎ' ተባሂሉ ጌጋ ውጽኢት ምርኣይ (ፎልስ ፖዘቲቭ)፡ ጥዑያት ሰባት ጐዳኢ መድሓኒት ንኽወስዱ ይገብር። እቲ ሕማም ዘለዎ ሰብ 'የብሉን' (ፎልስ ኔጋቲቭ) እንተ ተባሂሉ ግና፡ ካልኦት ምልክታት ተራእዮም ዝተወሰደ ቅምሶ ዳግማይ ስለ ዝምርመር፡ እቲ ሕማም ኣብ ሰብነቱ ከም ዘሎ ክፍለጥ ይከኣል እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ብጌጋ 'እቲ ሕማም ኣሎ ወይ የለን' ኢልካ ናይ ምውሳን ኵነታት (Sensitivity and specificity) ሚዛኑ ዝሓለወ ወይ ዝተመጣጠነ ከም ዝኸውን ይግበር ክብል ዶክተር ተፈራ የረድእ።
ኣናፁን ዘድሓንዎም ሰባትን
Training rats to save lives (ኣናፁ ብምስልጣን ህይወት ምድሓን) መሪሕ ቃል ኣፖፖ እዩ።
እዞም ኣናፁ፡ ካብ 2007 ክሳብ 2024 ካብ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያን ሞዛምቢክን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅምሶ ሸቲቶም እዮም።
ካብዚኦም ልዕሊ 620 ሽሕ ቅምሶታት ተመርሚሮም፡ ኣብ ልዕሊ 32 ሽሕ ቅምሶታት ሳምባ ነቀርሳ ከምዘሎ ብቤተ-ፈተነ ተረጋጊፁ'ዩ።
እቶም ኣናፁ ንቅምሶታት ቅድሚ ምሽታቶም ኣብ ቤተ-ፈተነ ምርመራ ተገይሩ እቲ ሕማም ከምዘሎ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ንጥቆማ እዞም ኣናፁ ስዒቡ ግን በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ምፍላይ ተኻኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ሓደ ሰብ ቲቢ እንተልይዎ ካብ 10 ክሳብ 15 ሰባት ክለክፍ ይኽእል እዩ። እዞም ኣናፁ ኣብ 32 ሽሕ ቅምሶታት እቲ ሕማም ከምዘሎ እንተዘይፈልጡ ነይሮም፡ እቶም ሕሙማት ነቲ ሕማም ከመሓላልፍሉ ንዝኽእሉ መጠን ብምቕማር፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ካብቲ ሕማም ምክልኻል ከም ዝተኻእለ ዶክተር ተፈራ ይዛረብ።
ሓደ ኣንጭዋ፡ ንሓደ ቅምሶ ብጨና ንክፈሊ ዝወፅእ ወፃኢ ሓደ ዶላር እንተዀይኑ፡ ብማይክሮስኮፕ እንተ ተመርሚሩ ግን ክሳብ ሰለስተ ዶላር ይኽፈል።
ጀነቲክስ ዝምርመረሉ 'ሞለኲላር ቴስት'፡ ካብ 10 ክሳብ 18 ዶላር ይውድእ፤ እቲ ማሽን ጥራይ ዋጋኡ ክሳብ 18 ሽሕ ዶላር'ዩ ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣስታት 60 ሆስፒታላት ብሓባር ይሰርሕ።
ቲቢ ኣዝዩ ካብ ዝተላብዓለን ከም ህንዲ፡ መክሲኮን ናይጀርያን ዝበላ ሃገራት ስርሖም ከስፍሑ ይደልዩ። ሃገራት ኣፍደገአን ከርሕዋሎም ድማ ኵሉ ግዜ ይሓቱ።
ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ነታጕታት ተቐቢሮም እዮም። ኣናፁ ኣፖፖ ብሚልዮን ሄክታር ዝቝፀር መሬት ካብ ነተጕቲ ኣጽርዮም እዮም።
እዞም ኣናፁ፡ ኣብ 11 ሃገራት ብምሽታት ነታጕ ይፈልዩ።
ሞዛምቢክ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኣብ እዋን ሕድሕድ ኲናት ዝተቐበሩ ነተጕቲ በዞም ኣናፁ ተኣርዮም፡ እቲ መሬት ንሓረስቶት ተዋሂቡ።
ዘበናዊ መሳርሒ ቲቢን ኣናፁን
ዶክተር ተፈራ፡ ኣፖፖ ኣብ ሕማም ቲቢ ብዝገበሮም ምርምራት ካብ ዝተረኸቡ ውፅኢታት፡ መድሓኒት ኣብ ዝፃወር ቲቢ ዝተኻየደ ምርምር ይጠቅስ።
መድሓኒት ዝለመደ ቲቢ ደሊኻ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ኣፖፖ፡ እቶም ኣናፁ ንቅምሶ ሸቲቶም ነቲ ሕማም ክረኽቡ ብምግባር ዝረኸቦ ርኽበት፡ ኣብ 2023 ወግዓዊ ገይሩ'ዩ።
"እዞም ኣናፁ በቲ ሕማም ኣብ ናይ ዝተለኸፈ ሰብ ገዛ ከይዶም እንተሽትቱ፡ መድሓኒት ዝለመደ ቲቢ ንምፍላይ ግደ ኣለዎም። እዚ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ርኽበታት እቲ ሓደ'ዩ" ይብል እቲ በዓል ሞያ።
ኣናፁ ካብ ህፃናትን ኣባፅሕን ዝውሰዱ ቅምሶታት ሸቲቶም ዘለዎ ፍልልይ ክሳብ ቀረባ ግዜ ኣይፍለጥን ነይሩ።
ኣብ 2024 ዝተሓተመ መፅናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣናፁ ካብ ናይ ኣባፅሕ ኣብ ናይ ህፃናት ቅምሶ እቲ ሕማም ናይ ምርካብ ዕድሎም ብኽልተ ዕፅፊ ዝዛየደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
እቲ ካልእ መፅናዕቲ ኣፖፖ፡ መጠን ባክቴርያ ቲቢ ኣብ ውሽጢ ቅምሶ ውሱን ኰይኑ ብማይክሮስኮፕ ክርአ እንተዘይኽኢሉ፡ እቶም ኣናፁ ብምሽታት ዝረኽብዎ ውፅኢት ይምልከት።
እቲ ተመራማሪ፡ "ኣናፁ ልዕሊ ካልኦት ማሽናት ዝሐሸ ውፅኢት ከም ዘምፅኡ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ሂቡ'ዩ" ይብል።
ቅምሶ ብማይክሮስኮፕ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ኣናፁ ከሽትትዎ ይግበር ነይሩ። ኣብ 2010 ካብ ማይክሮስኮፕ ዝሓሸ ውፅኢት ዘለዎ መሳርሒ ተሰሪሑ።
ኣብ ኢትዮጵያን ታንዛንያን ክልተ ስልሲት ዝኾኑ ሆስፒታላት ነዚ መሳርሒ'ዮም ዝጥቀሙ።
"ኣናፁ ምስዚ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ሓቢሮም ከም ዝኸዱ ኣብ 2025 ኢና ፈሊጥና። ኣብ ዓለም ኣሎ ዝበሃል ናይ ቀረባ ግዘ ቴክኖሎጂ ምስ ዝህቦ ውፅኢት፡ መዓረ ውፅኢት ከም ዝህቡ ተረጋጊፁ'ዩ" ይብል ዶክተር ተፈራ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ባክተርያ ቲቢ ኣብ ቅምሶ እናሃለወ 'የለን' (false negative) ዝብል ውጽኢት ኣብ ዝተመርመረሉ ግዜ፡ እዞም ኣናጹ ነቲ ሕማም ናይ ምፍላይ ክእለቶም ልዕሊ 90 ሚእታዊት ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።
ስለዚ፡ መመርመሪ መሳርሒታት ቲቢ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እኳ፡ ነዞም ኣናጹ ከም ኣማራጺ ምጥቃም ይከኣል እዩ።
ውጽኢታውነት ናይዞም ኣናጹ፡ ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ ደረጃ ከም ዝምጥን እቲ በዓል-ሞያ ይዛረብ።
"ኣብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ብዘይተራእየ ኵነታት፡ ኣብ ዝዀነ ክሊኒክ ብኣናጹ ኣቢልካ ሕማም ቲቢ ምፍላጥ ዝከኣል እዩ። ኣብ ምርምር ቲቢ ድማ 'ጌም ቼንጀር' (ታሪኽ ለወጥቲ) ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሃገራት ነዚ ምርምር ክነካይድ ኣፍደገአን ከርሕዋልና ንደሊ" ይብል።
'ልክዕነት ኣናፁ'
ዶክተር ተፈራ ከም ሳይንቲስት፡ እዞም ኣናፁ ልከነት ዘለዎም ምዃኖም ይድነቕ። ሓደ ቅምሶ ንሰለስተ ሰከንድ ይሽትቱ።
ኣብቲ ቅምሶ ቲቢ እንድሕር ዘይሃልዩ፡ ገዲፈሞ ይኸዱ።
ሓደ ኣንጭዋ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ኣስታት 100 ቅምሶታት ይሽትት። ሓደ በዓልሞያ ቤተ-ፈተነ፡ ብማይክሮስኮፕ 100 ቅምሶታት ንምዕዛብ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ይወስደሉ።
"ቅልጣፍኦምን ልክዕ ምዃኖምን ኵሉ ግዜ የደንቐኒ፣ የሕጕሰኒ። ናይ ምሽታት ክእለቶም ምሕብሓብ የድሊ" ይብል እቲ በዓልሞያ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ዶክተር ተፈራ፡ ነዞም ኣናፁ "ላቭሊ (ተፈተውቲ) እንስሳት" ብምባል እዩ ዝገልፆም።
ምስ ኣናፁ ኣብ ዝሰርሓሉ ካብ ዘድንቖ ነገር ባህርያቶም'ዩ። ንገፆም ደጋጊሞም ዘፅርይሉ መንገዲ።
ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ብምውሳድ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ገፆም የፅርዩ፤ ኣናፁ ንፁሃት እንስሳ እዮም ዝበሃል'ውን ብምኽንያት እዚ እዩ።
"ፍቕሮም ንምግላፅ ኣብ ዝትፍትንሉ'ውን ገፆም የፅርዩ። ኣብ ዝጭነቑሉ ዕረፍቲ ንምርካብ'ውን ይጥቀምሉ። ብተደጋጋሚ ገፆም ብምፅራይ ንባዕሎም 'ሪፍረሽ' እንክገብሩ ብጣዕሚ እየ ዝሕጐስ። ቀልጢፎም ስለ ዝላመዱ ኣብ ማእገርና፡ ኣብ ኢድና ይጓየዩ። ምቾት ተሰሚዕዎም ክትርኢ እንከለኻ ደስ ይብል።"

ምንጪ ስእሊ, APOPO
እዞም ኣናፁ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ቲቢ ዘለዎን ዘይብሉን ቅምሶ ምሽታት ይለምዱ። ክሽትቱ እንከለዉ ድምፂ ክሰምዑ ይግበር።
'ቃዕ' ዝብል ድምፂ እንተሰሚዖም ምግቢ ይወሃቦም። ምሽታት - ቃዕ ዝብል ድምፂ ምስማዕ - ምግቢ ምርካብ ዝብል ቅደም ሰዓብ ፈሊጦም ማለት እዩ።
ካብኡ ባክቴርያ ዘለዎን ዘይብሉን ቅምሶ፡ ጐድኒ ንጐድኒ ከም ዝሽትቱ ይግበር። ሕማም ዘለዎ ኣብ ዝሽትቱሉ 'ቃዕ' ይብል እሞ ምግቢ ይወሃቦም፤ ዘይብሉ እንተሸቲቶም ግን ምግቢ ኣይወሃቦምን።
ዝሽትትዎም ቅምሶታት ቲቢ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ እዮም፤ ሳይንቲስታት ይዅኑ እቶም ኣናፁ፡ እቲ ሕማም ከምዘሎ ኣይፈልጡን።
ልክዕነት እቶም ኣናፁ ንምርግጋፅ ካብ መንጎ እቶም ቅምሶታት ቲቢ ከምዘለዎም ዝተረጋገፁ ቅምሶታት ክካተቱ ይግበር።
እዞም ኣናፁ ባክተርያ ከም ዘለዎም ምልክትዝገበሩሎም ቅምሶታት፡ ብማይክሮስኮፕ ወይ ብሞለኲላር ቴስት ከም ዝረገጋገጽ ይግበር።
"ካብቲ ሕማም ዝምንጩ ሽድሽተ ዓይነት ኬሚካል ኣሎ፤ ንዕኡ ሓዋዊስካ ናይ ምሽታት ዓቕሞም ልዑል'ዩ" ይብል ዶክተር ተፈራ።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ንምንታይ ኢና ኣንጭዋ ንፈርሕ?
ፍርሒ ኵሉ ግዜ ምኽንያታዊ መበገሲ'ኳ እንተዘይሃለዎ ብዙሓት ሰባት ኣንጭዋ ይፈርሑን ይፀልኡን እዮም።
እዚ ጉዳይ ፍርሒ ኣናጹ ምስ ምርምራት ኣፖፖ ዝራኸብ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ከም በዓል ሞያ ምኽንያቱ ንኸረድኣና ንዶክተር ተፈራ ሓቲትና።
ንሱ'ውን ግምታት የቐምጥ።
ኣናፁ ንኣለሻ ምግቢ ኣብ ዘይኣትውዎ የለን። ኣብዚ መስርሕ መርዚ ነኺኦም ወይ በሊዖም ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ፡ ሰባት 'ክምርዙና'ዮም' ኢሎም ይፈርሕዎም ይብል።

ምንጪ ስእሊ, APOPO
ዶክተር ተፈራ ሰባት ንኣናፁ እንተዘይተፈርሑ እዩ ዝመርፅ።
"ኢኖሰንት [ንጹሃን] እዮም፣ ክፍርሑ ኣይግባእን። ስርሖም ይሰርሑ'ምበር ተንኰል የብሎምን። ስለዚ ንፍተዎም" ይብል።
ብዙሓት ኣናፁ ጠቐምቲ እዮም ኢሎም ንምእማን ዝፅገሙ'ኳ እንተዀኑ፡ ስርሖም ምስ ዝርእዩ ግና ዘይምድናቕ ኣይከኣልን።
ጥዕና ሰባት ኣብ ምሕላውን ህይወት ኣብ ምድሓንን "እኳ ድኣስ ካብ ሓደሓደ ሰባት ዝበለፁ'ዮም" ብምባል እቲ በዓልሞያ ይገልጽ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



