ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝተወከላ ኣደታት ሰላም መቐለ ኣትየን

Published
ካብ ዝተፈላለያ ክልላትን ብሄር ብሄረሰባትን ዝተወከላ ኣደታት ሕዚ ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን።
እዘን ኣምባሳደራት ሰላም ጉዕዘአን ብከተማ ባህር ዳር እየን ጀሚረን።
እተን ኣደታት ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ተራኺበን "ፃውዒት ሰላም ተቐበሉና" እንትብላ ሓሳብ ሂበን።
ዶ/ር ደብረጽዮን ብወገኖም "ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ሰላም መስዋእቲ ዝኸፈለን ሰላም ዘረጋገፀን'ዩ፤ በዚ ድማ ክምስገን ደኣ ይግበኦ እምበር ሰላም ተቐበል ዝበሃል ህዝቢ ኣይኮነን" እንትብሉ መልሲ ሂቦም።
"ኮታስ ኣብ ጎረባብትናን ኣብ ካልእ ከባቢ ንዝረአ ዘሎ ስእነት ሰላም ዝምልከት ፃውዒት ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ" ኢሎም።

ሓንቲ ካብተን ተወከልቲ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝመፀኣ ወ/ሮ ኣበባ ተገኘ "ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ትግራይ ስእነት ሰላም ከምዘየለ እውን ንርዳእ ኢና። ኮይኑ ግን ኣብ ትግራይ ጥራሕ ሰላም ተረጋጊፁ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ሃገር ሰላም እንተዘይሃልዩ ፀገም እዩ" ኢለን።
ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝተዳለወ ምልክት ሰላም ፃዕዳ ዓለባ ንነብሲ ወከፍ ተሳተፍቲ ብመልክዕ ውህብቶ ተበርኪቱለን።
እተን ተወከልቲ ምስ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ትግራይ እውን ተራኺበን ኣለዋ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብምኻድ ድማ ምስ ተምሃሮ ተራኺበን ክምዕዳ እየን።

![ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/05c2/live/d5e6cba0-5408-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


