ሕማም ሽሮኽ 40 ኮንጋውያን ስደተኛታት ቀቲሉ

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዝቑፀረ ስደተኛታት ካብ እቱሪ ናብ ዩጋንዳ ተማዛቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዝቑፀረ ስደተኛታት ካብ እቱሪ ናብ ዩጋንዳ ተማዛቢሎም
Published

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካብ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብምህዳም ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ካምፓላ ኡጋንዳ ዝተመዛበሉ 40 ኮንጋውያን ብሕማም ሽሮኽ (ኮሌራ) ከምዝሞቱ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ሆስፒታላት ኡጋንዳ ኣብ ግዝኣት ኢቱሪ ብዝካየድ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ብዝወሓዙ ስደተኛታት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከምዝመልኣ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እዚ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክያንግዋሊን ክያካ ሕማም ሽሮኽ (ኮሌራ) ንክላባዕ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 2 ሽሕ ጉዳያት ሕማም ሸሮኽ ከምዝተቖፃፀረ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኮንጋውያን ናብ ኡጋንዳ ከምዝተሰደዱ ትካል ቀይሕ መስቀል ይገልፅ።