10 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ዝሓብሐበ ቻይናዊ

መግለጺ ቪድዮ, 10 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ዝሓብሐበ ቻይናዊ
Published

ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተኸሰተ ብዙሓት ብሰንኪ መንግስቲ እታ ሃገር ዘውጽኦ ክልከለታት ነናብ ገዛውቶም ዘይተመልሱ ዜጋታት ነይሮም'ዮም።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስ ዝፈትውዎም ናይ ገዛ እንስሳት ናይ ምርኻብ ዕድል ዘይገጠሞም ብዙሓት እዮም። ዱ ፋን ዝተብሃለ ቻይናዊ ልዕሊ 10 ሽሕ እንስሳት ዘቤት ተንከባኺቡ ኣሎ።