ብቕትለት ወዳ ሓሪና ክትቃለስ ዝወሰነት ሱዳናዊት ኣዶ

መግለጺ ቪድዮ, ብሰንኪ ሞት ወዳ ሓሪና ክትቃለስ ዝወሰነት ሱዳናዊት ኣዶ
Published

ኣብ ሱዳን ብ2013 ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ህይወት ወዳ ዝሰኣነት ሱዳናዊት ኣዶ ኣሕላም፡ ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚራ ተሪራ ክትቃለስ ወሲና። ብመሰረት ንወዳ ዝኣተወቶ ቃል ድማ ቃልሳ ፍረ ኣፍርዩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ሕጉስቲ ምኳና ድማ ትገልጽ።