ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ብጃምላዊ መጥቃዕቲ 27 ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጃምላዊ መጥቃዕቲ ሳበት ተቐቲሎም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ብዝተፈጸመ ክልተ ጃምላዊ - ተኹሲ 27 ሰባት ተቐቲሎም።

    ገሊኦም ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ጥቓ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ እንዳ መስተ፡ ካልኦት ድማ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ እንዳ መዝናነዪ፡ ሰንበት ኣጋ ምሸት እዮም ተቐቲሎም።

    8 ዕጡቓት፡ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ፡ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ኣብ ልዕለ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ተኹሲ ከፊቶም፤ ካብኡ ድማ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ብምቕፃል፡ ብድምር 17 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 15 ድማ ኣቑሲሎም።

    ክልተ ተሽከርከርቲ እውን ብሓዊ ኣቃጺሎም።

    ኣብቲ ጃምላዊ መጥቃዕቲ 13 ደቂ ተባዕትዮን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ይሕብር።

    ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ሰንበት ንጐሆ ድማ፡ ኣብ ኬፕታውን ኣብ ሓደ መዝናነዪ ስፍራ፡ ብዝተኸፍተ ጃምላዊ ተኹሲ፡ ዓሰረተ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፡ ካልኦት 11 ሰባት ድማ ጉድኣት በፂሑዎም።

    እቶመ ሓሙሽተ ሰባት ሽዑንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ፀብፃብ ፖሊስ የመልክት።

    ምስ ክልቲኡ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር የለን፤ ፖሊስ ድራኸ ናይ ክልቲኡ ጃምላዊ ተኹሲ ኣይፈለጠን።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝፍፀመለን ሃገራት እያ።

  2. ቲክቶክ፡ ንሐንቲ ክፍለ ግዝኣት ኣመሪካ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዩ

    ቲክቶክ

    ቲክቶክ: ኣብ ልዕሊ ህጻናት ምስ ዘብፀሖ ጉድኣት ብዝተኣሳሰር፡ ንሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ- ኣላባማ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተስማሚዑ።

    ቲክቶክን ንዕኡ ዘመሓድር ትካል ባይትዳንስን፡ ንክፍለ ግዝኣት ኣላባማ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉን ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ህጻናት ኣጠቓቕማኡ ንምድራት ስጉምትታት ክወስዱን ተሰማሚዖም።

    ጠበቓታት ቲክቶክን ግዝኣት ኣላባማን፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምክያዱ፡ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

    ግዝኣት ኣላባማ፡ ቲክቶክ ንህጻናት ወልፊ ዘትሕዝ ኣፕ፡ ኮነ ኢሉ ከምዝፈጠረ ከሲሳ ነይራ።

    ኣብ ልዕሊ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያ ኣፕታት እውን ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪቡ እዩ።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እቲ ኣፕ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ንጐሆ ሰዓት 6፡ ህፃናት ነቲ መተግበሪ ከይጥቀሙ ዝኽልክል መስርሕ ግብራዊ ክገብር እዩ።

    ወለዲ ን ‘ኣካውንት’ ደቆም ክከታተሉን፡ ክድርቱ ዘኽእሎም ቁጽጽር ንምግባር መስርሕ ክዝርግሕ እውን ተሰማሚዑ። እንተዀነ ቲክቶክ ዝኾነ በደል ከምዝፈጸመ ኣይኣመነን።

    እዚ ኣሰራርሓ፡ ንግዚኡ ኣብ ግዝኣትኣላባማ ዝተሓጽረ ኮይኑ፡ ቲክቶክምስ ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካዝበጽሖ ናይ መጀመርታ ስምምዕ እዩ።

    እዚ ንኣጠቓቕማ ህጻናት ኣብ ቲክቶክ ንምድራት ዝውሰድ ስጉምቲ ውጽኢታዊ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

  3. ኣከባብራ በዓል- መስቀል ኣብ ገለ ከባቢታት - ብስእሊ

  4. ኢራን: ምስ ኣመሪካ ዘሎ ጐንፂ: ፍታሕ ዝረክብ ብልዝብ ጥራይ ከምዝዀነ ኣፍሊጣ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ እቲ ንማእኸላይ ምብራቕ ዝሕምስ ዘሎ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎ ግጭት፡ “ብልዝብ” ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

    እቲ ምኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሓንፀፀቶ ሓድሽ መደብ ምንፃጉ ስዒቡ እዩ።

    ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እማመ ኢራን “ቅቡል ኣይኮነን” ኢሉ።

    ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ዝደልዩ ዘለዉ፡ “ሕሱም ይሰዓሩ” ከምዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ቴህራን ካብ ዋሽንግተን “ዕላዊ መልሲ” ክሳብ እትረክብ ክትፅበ ምዃና ሓቢሩ።

    ኣራግቺ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተጋራጫዊ መግለጺታት ከምዝሃበ ኣመልኪቱ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝቐረበ ቅድመ ኩነት፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተፈረመ ሰነድ-ምርድዳእ ዝመሳሰል እዩ ተባሂሉ።

  5. ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

  6. ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?

  7. ግማደ-መስቀል እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ድዩ?

  8. ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ዝተጻወትዎ ተራ

  9. ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ

  10. ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ20 ነሓሰ 2026 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሸውዓተ ቈልዑ ዝርከብዎም 13 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

    ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።

    እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 'ዳዕሮ' ዝተባህለ ሰፈር ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ግሁድ ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን።

    እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵነታት ነቲ መጥቃዕቲ ዘይሕጋውን ኣብ መንጎ ሰላማውያንን ወተሃደራውያንን ዘየመዛዝን ገይሩዎ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ ብግልጽን ብዘይሻርነትን ክምርምርዎ፡ ንፈጸምቲ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ንግዳያት ድማ እኹል ካሕሳ ክኸፍሉን ተላብዩ።

    ምክትል ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባድር፡ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተዅሲ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ዘለና ስክፍታ ዘዕቢ እዩ፡" ክትብል ገሊጻ።

    ቀጺላ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ንምድሓን፡ ሕግታት ኲናት ከኽብርን ቅድሚ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኵሉ ዝከኣል ጥንቃቐታት ክገብርን ኣለዎ፡" ኢላ።

    ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ኣመልኪቱ ናብ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ኢትዮጵያን ምኒስትሪ ምክልኻልን ሕቶታት እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት፡ ሰራዊቱ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከም ዝወቅዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽምን ክገልጽ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተደጋጋሚ ግህሰታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይገልጹ። ሂዩማን ራይትስ ዎች

    ብደብዳብ ዝፈረሰ ኣባይቲ
  11. ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕትታት ህወሓት ኰኒና፡ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ እውን ደጊማ ኣረጋጊጻ

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን መሻርኽቱ ሓይልታት ተቓውሞን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፈጸምዎ መጥቃዕትታት ብምዅናን፡ እቲ ምዕባለታት ንሓድነት፡ ልዑላዊነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ሓደጋ ዘስዕብ ምዃኑ ገሊጻ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዛ ዝገልጽ ጸብጻብን፡ እቲ ውግእ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሕማሙን ነቒፋ ኣላ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እዚ ምብኣስ ኵነታት ንጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ብሰፊሑ ድማ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።

    ምኒስትር ዲኤታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ሻኽቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን፡ ሃገሩ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ብምግላጽ፡ ንቕዋማዊ ስርዓት፡ ልዑላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    ንፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር ብሓይሊ ወይ ብዕጥቃዊ ስጕምቲ ንምቕያር ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ድማ ነጺጉ።

    እቲ ምኒስተር እቲ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብልን ወጥሪ ክሃድእን ጻውዒት ብምቕራብ፡ ንጹሃን ዜጋታት ምክልኻልን ተወሳኺ ጐነጽ ምዕጋትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩሉ። ከምኡ'ውን ኵሎም ወገናት ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክኽተሉን፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘተን ሰላማዊ መንገዲታትን ከnኣድዩን ተማሕጺኑ።

    እቲ መግለጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግእን ንምምጻእ ንዝግበር ጻዕርታት ዘለዋ ደገፍ ብምድጋም፡ ሰፊሕ ዞባዊ ሳዕቤን ከስዕብ ካብ ዝኽእል ተወሳኺ ምብኣስ ኵነታት የጠንቅቕ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን
  12. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ ዝሃቦ መግለጺ

    ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።

    ምስ ህወሓትን ፋኖን "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ጥምረት ዝመስረተ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ "ሃጸያዊ ስርዓት [ኢትዮጵያ] ክፈርስ ኣለዎ" ዝብል መርገጺኡ ከምዘይገደፈ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ 7 ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝዓለመ "ምሕዝነት ንህላወ" ዝብል ኪዳን ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም እዮም።

    ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህወሓትን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን፡ ሃገራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝን ይርከብዎም።

    ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጂሬኛ ጉደታ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ህወሓትን ፋኖን ምትሕብባር ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብቲ ናይ ቀደም መርገጺና ኢና ዘለና፤ ስርዓት ኢምፓየር ክፈርስ ኣለዎ ዝብል መርገጺና ኣይገደፍናን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብስእነት ሰላም እናተሳቐየ ይርከብ።

  13. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ እንታይ ይብል?

  14. ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ

  15. ኤርትራ ኣንጻር ኬንያ፡ ናይ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ገፊሕ ዓወት ይድገምዶ ይኸውን?

  16. ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

    ብ/ጀ ወልደጊዮርጊስ

    ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።

    እቲ ውግእ ብንጹር ኣበይ ከም ዝተኻየደን ንመን ዒላማ ከም ዝገበረን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብርጋደር ጀነራል ሸሪፎ፡ "ንፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ይዅን ንምልሻ ዓፋር፡ ህዝቢ ወይ ምምሕዳር ኣይተንከፍናን፤ ከምዚ ዓይነት ዕላማ ይዅን መደብ እውን የብልናን፡" ክብል መሊሱ።

    ዕላማ ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም "ካብ ባዕልና ዝሸፈቱ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ህዝቢ ትግራይን" ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ምጽራግ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

    እዞም ኣካላት፡ "ዋና መቀላጠፍቲ ናይ ብልጽግና" ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ትግራይ ሰላም ንኸይመጽእ ህውከት ዝፈጥሩ ዘለዉ እዮም፡" ክብል ድማ ከሲሱ።ምሉእ ንባብ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

  17. ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

  18. ኣብ ትግራይ ናይ ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ተቛሪጹ

    ሓደ ተለፎን ዝሓዘ ሰብ

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ካብ ሓሙስ 24 መስከረም ለይቲ ኣትሒዙ ናይ ትካል ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

    ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ቢቢሲ ብወገኑ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ብተደጋጋሚ ተለፎን ክድውል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቲ መስመራት ከም ዘይሰርሕ ኣረጋጊጹ እዩ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተለፎን ዝህብ መስመር ሳፋሪኮም ግን ክሳዕ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ። ማዕከን ዜናፈረንሳ (ኤኤፍፒ) እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ ምህላዉ ኣቃሊሑ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ዘጋጠመ ምቍራጽ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሰበ-ስልጣን ኢትዮ ተለኮም ብደወልን ጽሑፍን እኳ እንተ ፈተነ፡ መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ምቍራጽ ተለፎንን ኢንተርነትን ብኢትዮ ተሌኮም ድዩ ወይስ ብኻልእ ኣካል ከም እተፈጸመ ብናጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

    እዚ ምቍራጽ ርክባት ኣብ ዕለታዊ ናብራን ቍጠባዊ ምንቅስቓስን እቲ ክልል ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ ኣለዉ። ትማሊ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣገልግሎት ተለፎን ምቍራጹ ብፍላይ ምትሕልላፍ ገንዘብ ደው ብምባል ኣብ ንግዳውን ዕዳጋውን ንጥፈታት ዓቢ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም።

    ሎሚ ረፋድ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ እውን፡ ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ክልል ተጠቃሚ ኢትዮ ተለኮም ብምዃኑ፡ እቲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ እንተ ዘይተመሊሱ ብዙሓት ሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ርክብ ወጻኢ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን ደው ኢሉ ዘሎ፡ ዕጡቓት ትግራይ ብረቡዕ ኣብታ ክልል ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዎም እዩ።

    ህወሓት ነቲ ዝተኸፍቶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓይልታቱ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝኣዘዘ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣብ መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቘጻጸረ ገሊጹ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ታክልል ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ኣቢልዎ ይርከብ። ትማሊ ሓሙስ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ላሊበላ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደውከም ዘበለ ተፈሊጡ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነበርቲ ላሊበላ፡ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መንግስታትን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ተዅሲ ብህጹጽ ደው ብምባል ነቲ ብ2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።

  19. ምሕዝነት ንህልውና፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ቅልውላው ጸጥታ ኢትዮጵያ ንዘለዎ መርገጺ ነቒፉ

    እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ ‘ምሕዝነት ንህልውና’ ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።

    እዚ መግለጺ፡ ሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ህወሓት ዝወጽአ ኰይኑ፡ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ነዚ ምሕዝነት ከም ስግኣት ሰላምን ህድኣትን ገይሩ ብምቕራቡ ተቓውሞኡ ገሊጹ እዩ።

    ከም ህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝኣመሰሉ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ዘጠቓለለ እዚ ምሕዝነት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝካየዱ ዘለዉ ቀጸልቲ ግጭታት ተነጺሎም ክረኣዩ ከም ዘይክእሉ ኣረዲኡ።

    እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ "እዚኣቶም ብሓባር፡ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት፡ ንህልውና ትካላት መንግስትን ንመጻኢ ኢትዮጵያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሃገራዊ ቅልውላው ዘንጸባርቑ እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ቅልውላው’ዚ በቲ ዘድልዮ ህጹጽነትን ቀጻሊ ጻዕርን ምላሽ ብዘይምሃቡ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ረኺብናዮ ኣለና፡" ኢሉ።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ልፍንቲ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ መጥቃዕቲ ደው ንኽብል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ንኽባጻሕን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ግጭታት ሰላማዊ መዕለቢ ንኽረኽቡን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሰማዕነቱን ጽልዋኡን ኣብ ግብሪ ከውዕል ተላብዩ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ጥምረት ነቲ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

    ኣርማ ጥምረት ዝመስረቱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት
  20. ውግእ ድሮናት ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዳርጋ 200 ድሮናት ወዲቐን

    ኣብ ኤል ዖበይድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን

    ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻረርቲ ወገናት፡ ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 30 ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን እንተ ወሓደ 196 ድሮናት ከም ዘውደቑ፡ ብሕታዊት ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ትማሊ ሓቢራ።

    እዚ ድማ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ድሮናት ዘለዎም ልዑል ጽግዕተኛነትን ዓቕሚ ምክልኻል ኣየር ንምዕባይ ዝገብርዎ ዘለዉ ወፍርን ዘጕልሕ እዩ።

    እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ካብ ዝርከቡ ስሞም ዘይተጠቕሱ ምንጭታት ጠቒሳ ከም ዘረድኣቶ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ሰራዊት ሱዳን እንተ ወሓደ 112 ድሮናት ከውድቕ ከሎ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ብወገኖም 84 ድሮናት ዓጊቶም ኣውዲቖም እዮም።

    እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ደቡባዊ ማእከል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዞባ ዓባይ ኮርዶፋን ጥራይ ልዕሊ 45 ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሮናት ኣውዲቑ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምዕራባዊ ዳርፉርን ደቡባዊ-ምብራቕ ዞባ ሰማያዊ ናይልን ብድሮናት ብብዝሒ ካብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ምዃኖም ተገሊጹ።

    እቶም ምንጭታት ወሲኾም፡ ተናሓናሕቲ ወገናት ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቶም ዝድግፍዎም ስሞም ዘይተገልጹ ሃገራት እንተ ወሓደ 100 ድሮናት ከም ዝተቐበሉ ገሊጾም።

    ሰራዊት ሱዳን ካብ ሓምለ ጀሚሩ ልዕሊ 40 ፓኪስታን ዝሰርሓቶም "ሻህፓር" ዝተሰምያ ድሮናት ከም ዝተረከበ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚኣተን ድማ "ብተኸታታሊ ስምምዕ ዝተገብረለን ጕጅለታት" ዝመጽኣ ኰይነን፡ ናይ ስለያን መጥቃዕትን ዓይነታት ዘጠቓልላ እየን።

    እቲ ጸብጻብ፡ "እቲ ዝተላእከ ኣጽዋር፡ ካብ ስትራተጅያዊ ናይ ስለያ ነፈርቲ ጀሚርካ ክሳዕ ብዘመናዊ መተኰሲ ስርዓታትን ብሌዘር ዝምርሑ ቴክኖሎጅታትን ዝተዓጠቓ ድሮናት ውግእ ዘጠቓልል እዩ፡" ኢሉ።

    ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኑ፡ ምስተን ንሰራዊት ሱዳን ዝተዓደላ ዝመሳሰላ ልዕሊ 60 ድሮናት ከም ዝረኸበ ተሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ እዚ ጸብጻብ’ዚ ዕጡቕ ሓይሊ ነተን ድሮናት መዓስ ከም እተረከበን ብንጹር ኣይገለጸን።