ትራምፕ: ኢራን ንሄለኮፕተር ኣመሪካ ሃሪማ ከምዘውደቐትን ሕነ ከምዝፈዲን ኣፍሊጡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ብኢራን ከምዝተሃርመትን ሕነ ክፈዲ ምዃኑን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እታ ሄሊኮፕተር ትማሊ ምሸት ተሃሪማ ከምዝወደቐት ዝተነግሮ ዶናልድ ትራምፕ ምላሽ ክህብ "ግድነት" ምዃኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።

"በቲ ዓቢይ ሰራዊትና ከምዝተሓበረኒ፡ ትማሊ ለይቲ ኢራናውያን ንሓንቲ ካብ ምዕቡላት ኣፓቸ ሄሊኮፕተራትና ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ንሓለዋ ተዋፊራ እንከላ ሃሪሞም ኣውዲቖማ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ከምዝህብ ግን እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ኣየነጸረን።

ቅድሚ ትራምፕ ነቲ ሓበሬታ ምውጽኡ ኣብ ኤክስ ዝጸሓፈ ላዕለዋይ ኢራናዊ ተደራዳሪ መሓመድ ባቐር ካሊባፍ ብወገኑ፡ "ቋንቋ ዲፕሎማሲ ኢና ንመርጽ፡ እንተኾነ ግና ካልእ ቋንቋታት'ውን ብንጹር ንዛረብ ኢና። መብጻዓኹም ጥለሙ፡ ናብቲ ኣጸቢቕና ንመልኮ ቋንቋ ክንሰግር ኢና" ክብል ጉልቡብ መጠንቀቕታ ሂቡ።

"ዝተወጣሕካዮ ፈረስ ኢኻ ተጋልብ።"

ኣብታ ኣብ ገማግም ዖማን ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ብህይወት ብፍሉይ ስርሒት ከምዝደሓኑ ሰራዊት ኣመሪካ ሓቢሩ ነይሩ።

ንፈለማ እዋን'ዩ ብማያዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ሲ ድሮን) ስርሒት ምድሓን ዝፍጸም ዘሎ።

ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ዝግመት ግዜ ድሕኖም ኣለዉ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ድማ ይርከቡ" ኢሉ።

እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር "ኣብ ገማግም ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ" ኣብ ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተሓምሺሻ።

ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን ከምዝተሳተፉ'ውን መግለጺ ሰንትኮም ይጠቅስ።

ምውዳቕ ናይታ ሄሊኮፐተር ነቲ ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ቴህራንን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንድሕሪ ከይመልሶ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።