ጉልባብ ርእሲ ኣይንገብርን ኢለን ዝሓንገዳ ደቀንስትዮ ኢራን
ጉልባብ ርእሲ ኣይንገብርን ኢለን ዝሓንገዳ ደቀንስትዮ ኢራን
Published
ማህሳ ኣሚኒ ዝተብሃለት ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት 'ጉልባብ ርእስኺ ብዝግባእ ኣይገበርክን' ተባሂላ ምስተኣሰረት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ህይወታ ሓሊፉ። ብሞት ማህሳ ዝተቖጥዓ መንእሰያት ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕብታት ኣልዒለን። ጉልባብ ርእሰን ደርብየን ከኣ ተቓውሞታት ይቕጽላ ኣለዋ።



