ቅልውላው ትግራይ፡ "ትግራይ ኣብ ዝኣዘዘትኒ ክሰርሕ'የ"

መግለጺ ቪድዮ, "ትግራይ ኣብ ዝኣዘዘትኒ ክሰርሕ'የ"
Published

ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብረዳት ኣብራርነት ንሸሞንተ ዓመታት ዝሰርሐ ሓለቓ ምኢቲ ተኽለብርሃን ወልደስላሴ ካብቲ ትካል ብትግራዋይነቱ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገደን ሎሚ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብናይ መሸጣ ክዳዉንቲ ይናበር ከምዘሎን ንቢቢሲ ገሊጹ።