ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህንጻ ግሪንፈል ምስ ሙሉእ ስድርኡ’ዩ ጠፊኡ። ሓንቲ ስድራ ብሓንቲ ለይቲ ጠፊኣ።
Published
ኣብ ለንደን ህንጻ ግሪንፈል ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 72 ሰባት ካብ ዝበልዕ ሎሚ መዓልቲ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ።
ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝነብር ሕብረተሰብ እቲ ሓደጋ ብዘስዓቦ ሞት ብዙሓት ተደናጊጹ’ዩ።
ኣብቲ ህንጻ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ዝነበሮም እንትኾን ከቢድ በሰላ ገዲፉሎም ሓሊፉ። ባሰም ካብ ሊባኖስ ቅድሚ 17 ዓመት’ዩ ናብ ለንደን መጺኡ።